Friday , April 19 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ብምኽንያት ምቊራጽ ቀረብ ጋዝ ሩስያ፡ ዋጋ ኤለትሪክ ሽወደን ክኸብር እዩ ተባሂሉ።

ሩስያ፡ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋርያን ዋጋ ጋዝ ብሩብል ክኸፍላ ንዘቕረበቶ ጠለብ ብዘይምቕባለን፡ ናብዘን ሃገራት እተቕርቦ ዝነበረት ጋዝ ምቚራጻ ተፈሊጡ።

እዚ ድማ፡ ሽወደን እትኸፍሎ ዋጋ ቅብሊት ንክውስኽ ምኽንያት ከም ዝኸውን፡ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ። ኣብ ዕዳጋ ጸዓት ክኢላ ትንተና ELS ሳምኤል ሲዙክ፡ እዚ ምዕባለ ኣብ ዋጋ ጸዓት ድሮ ናይ ባዕሉ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኣብ ዘሎ ስጡም ዓለማዊ ዕዳጋ ዓብዪ ዘይምጥርጣር ክህሉ ዝገብር እዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ሳዕቤናት ናይዚ ድማ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ኣብዚ ጽድያን ዊንተርን ክረአ ይኽእል እዩ ኢሉ’ሎ ሲዙክ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com