Friday , March 29 2024
Facebook

ብሪጣንያውያን ጽምዲ ኣብ ናይ ሓደ ሰዓት ፍልልይ ኣብ ኣውስትራልያ ሞይቶም ተባሂሉ።

ብሪጣንያውያን ጽምዲ ኣብ ናይ ሓደ ሰዓት ፍልልይ ኣብ ኣውስትራልያ ሞይቶም ተባሂሉ።ንቤተሰብ እዞም ጽምዲ ንምሕጋዝ ኣሽሓት ፖውንድ ከም እተዋጸአ’ ውን ተፈሊጡ።

ወዲ 29 ዓመት መዋቲ ጄሰን ፍራንሲስ ተጻዋቲ ኲዕሶ ማርኬት ድሬይቶን ታውን ኮይኑ ምስ መጻምዱ ኣሊስ ሮቢንሰን ብሓባር ኣብ ዝነብረሉ ስኬትቦሮ ስኬል ዝተባህል ቦታ እዩ ብመኪና ተሃሪሙ ዝሞተ።

መጻምዱ በቲ ሓደጋ ኣመና ብሓዘን ተደቚሳ ምንባራን ኣብ ናይ ሓደ ሰዓት ፍልልይ ምሟታ ድማ’ዩ ተነጊሩ።

ቤተሰብ እዞም መወትቲ ንምርዳእ ዛጊት ካብ ዋዜማ በዓል ልደት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ £16,000 ተወፍዩ’ሎ። ፍራንሲስ ምስ ኣዕሩኹ ክዘናጋዕ ውዒሉ ብታክሲ እናተመልሰ እዩ ብቐዳም ሓደጋ መኪና ኣጓኒፍዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com