Thursday , April 25 2024
The UK is one of the countries that is stopping travel from southern Africa due to a new virus variant being reported there. Photo courtesy of Heathrow Airport. (AP Photo/Matt Dunham) LMD102

ብሪጣንያ: ንናይጀርያ ኣብ ዝርዝር ቀይሕ መስመር ኣእትያታ

ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ጅር ኦሚክሮን: ናይጀርያ: ኣብ ዝርዝር ቀይሕ መስመር ጒዕዞ ብሪጣንያ ምእታዋ ቢቢሲ ሓቢራ። ብመሰረት እዚ እገዳ: ጒዕዞ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝደልዩ ዜጋታት ናይጀርያ: መርመራ እቲ ቫይረስን ውሸባን ክካየደሎም እዩ።

እዞም ተጓዓዝቲ: መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎ ሆቴላት ን10 መዓልታት ክጸንሑን ወጻኢታት ክሽፍኑን ክሕተቱ እዮም።

ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኦሚክሮን: ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዝርዝር ምእታወን ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ውሳነ: ግዜያዊን ኣብ ሰለስተ ሳምንታት ድማ ዝሕደስ ምዃኑን መንግስቲ ሓቢሩ’ሎ።

ለበዳ ኦሚክሮን: ብፍጥነት ዝላባዕ ብምዃኑ ብብዝሒ ን ጅር ደልታ ክትክኦ ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ ዘሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com