Thursday , March 28 2024

ብሪጣንያ: እገዳ ስኒ ሓርማዝ: ንጉማረን ካልኦት እንስሳታትን ከጠቓልል እዩ

መንግስቲ ብሪጣንያ ህይወት ሓራምዝ ንምዕቃብ ኣብ ስኒ ሓርማዝ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ እገዳ: ንዓሳ ነባሪ: ጒማረን ዋልሩስን ከም ዘጠቃልል ተገሊጹ።

ተጣበቕቲ ዕቀባ እንስሳ: ነዚ ኣዋጅ ብዓብዪ ሓጎስ ከም ዝቕበልዎ ድሕሪ ምሕባር: እዚ ውሳነ ናብ ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ክድርኽ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ኣለዉ።

ህይወት ኣራዊት ንምዕቃብ ተወሳኺ በጀት መዲቡ ከም ዝንቀሳቐስ ቦሪስ ጆንሰን ክገልጽ ምጽንሑ ጸብጻብ ቢቢሲ ዘኪሩ።

እቲ ኣብ 2018 ዝወጸ ኣዋጅ ስነ ሓርማዝ: ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ብሪጣንያ ዝግበር ኲሉ ዓይነት ዕድጊ ዝኣገደ ኮይኑ: ዛጊት ካብዚ ዝልዕል ስራሕ ከም ዘድሊ ክፍሊ ምክልኻል ከባቢ ኣተሓሳሲቡ።

ብዘይካ’ዚ: ሓራምዝ: ጉማረ: ዓሳ ነባሪን ዋልሩስን እውን ብሰንኪ ሃድን ገዚፍ ናይ ምጽናት ሓደጋ የምጸላልዎም ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ኣብ ስኒ ሓራምዝ እተነብረ እገዳ: ኣብ ካልኦት ክቡር ስኒን ጒጭን ዘለዎም እንስሳታት ዘሎ ሃድን ከም ዝወሰኸ ብምምልካት ድማ እዚ ኣዋጅ ንዂሎም እዞም ብሃድን ቊጽሮም ዝምህምን ዘሎ እንስሳታት ከጠቓልል ከም ዝግባእ: ሓላፊ ቦርን ፍሪ ፋውንዴሽን: ዶ/ር ማርክ ጆንስ: ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com