Friday , March 29 2024
TT

ብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን ስእለ ጽዩፍ ( ፖርኖግራፊ) ንጾታዊ ህይወቶም ብኣሉታ ከም ዝጸለዎ ይኣምኑ ተባሂሉ።

ዳርጋ ፍርቂ ካብ መንእሰያት ሽወደን ፖርኖግራፊ ምስ ጾታዊ ርክብ ዝተሓሓዝ ህይወቶም ብብዙሕ መዳዩ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘሕደረሎም ተኣሚኖም።

እዚ ዝተፈልጠ ኖቩስ ዝተባህለ ማእከል ተሌቪዥን ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ውከሳ እዩ። ብመሰረት እዚ ውከሳ ካብ 18 ክሳብ 29 ዝዕድሚኦም 47 ሚእታዊት መንእሰያት ምስ ጾታዊ ርክብ ዝተሓሓዝ ህይወቶም ብብዙሕ መዳዩ ብፊልምን ስእለ ጽዩፍን ብኣሉታ ከም እተጸልወ ክገልጹ እንከለዉ 14 ሚእታዊት ድማ እዝዩ ሃሳዪ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ገሊጾም ኣለዉ።

ንውከሳ ካብ ዝቐረቡ ደቂ 30 ክሳብ 49 ዓመት እቶም 20 ሚእታዊት ዝኾኑ ፖርኖግራፊ ምስ ጾታዊ ርክብ ዝተሓሓዝ ህይወቶም ብብዙሕ መዳዩ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩልና ኢሎም።

“ስለምንታይ ምዃኑ ምፍላጥ ኣሸጋሪ’ዩ ” ትብል ተመራማሪት ጾታዊ ርክብ ካትሪና ስፓር ሆሊንኮቫ ነቲ ውክሳ ድሕሪ ምምርማር ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ።

እዚ ውከሳ ብመሰረቱ ኣብ ዙርያ ሓፈሻዊ ኲነታት ጾታዊ ርክብ ሽወደናውያን ዳህሳስ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ኔሩ። እዚ ጒዳይ ንደቀንስትዮ ብዝወሓደ ደረጃ ዝጸሉ ምዃኑ ብምምልካት ድማ “እቲ ኣብዚ ዝመጽእ ሕቶ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክበሃል ከሎ ከመይ ዝበለ እዩ ዝብል’ዩ።

ኣካላትካ ናይ ምልላይ ድዩ ወይስ ናይ ኣድማዕነት ሕቶ” ብምባል ሕቶ ኣቕሪባ።

ክኢላ ጾታዊ ሽግራት ካሊ ኖርዋልድ ብወገኑ ዝበዝሑ ሰባት ብዓይኒ ሞራልን ማሕበራዊ ጽልዋኡ ወይውን ኣብ ጾታዊ ርክብ ህይወቶም ኣሉታዊ ሳዕቤን ክምጽእ ይኽእል እዩ ብዝብል ምኽንያት ፖርኖግራፊ ምርኣይ ከም ዘይመርጹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com