Thursday , March 28 2024
TT

ብሰሪ ንእሽቶ ምምሕዳራዊ ጌጋ ንሱን ስድራኡን ተባሪሩ።

ሓሙሽተ ዝርእሱ ሰራሕተኛ ብሰሪ ዝሰርሖ ንእሽቶ ጌጋ ካብ ሽወደን ክባረር ከም እተኣዘዘ ተፈሊጡ። እዚ Gentian Hoksa ዝስሙ ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ Småland ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣልባንያዊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ናይ ስራሕ ውዕሉ ከናውሑሉ ንዘቕረቦ ሕቶ ምንጻጎም ከም ዘሰንበዶ ገሊጹ’ሎ።

ብዘይካዚ ንሱን ስድራኡን ብህጹጽ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣፍሊጦሞም ኣለዉ። “እቲ ዘስርሓኒ ኩባንያ ፋይናንሳዊ ጸገም ስለዝነበሮ ናይ ዕረፍተይ ደሞዝ ኣብ ግዚኡ ኣይከፈለንን” ክብል Huxa ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ዕላል ገሊጹ ኔሩ።

“ሕሳስ ልደ ወደይ ኣብ ሽወደን እዩ ተወሊዱ፥ ስለምንታይ ኣብዚ ክዓቢ ዘይፍቀደሉ፥ ዝበደልክዎ የብለይን፥ እብደል ኣሎኹ” ኢሉ።

ጒዳይ’ዚ ወዲ 58 ዓመት ኣልባንያዊ ገና መዓልቦ ኣይረኸበን ዘሎ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኢሚግሬሽን ኣብ ዝሃቦ ውሳነ ምሕዳስ ኩንትራት ስራሕ ኣብ ኣጠቓላሊ ገምጋም ክምርኮሱ ከም ዝግብኦም ድሕሪ ምስማር ሓንቲ ንእሽቶ ጌጋ ንኹሉ ክትውስን ኣይግባእን ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com