Tuesday , March 19 2024
Foto: Christine Olsson / TT / Kod 10430

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ተዓጽየን ዝጸንሓ ፓርክታት ሽወደን ይኽፈታ ኣለዋ።

ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ዝጠንተወ ፖርክ ምዝንጋዕ ምዃኑ ዝንገረሉ ግሮና ሉንድ ወቕቲ ቀውዒን ሳመርን ወቕቲ ክፉት ክኸውን እዩ። እዚ ከም ኣርማ ስቶክሆልም ዝውሰድ ቦታ ድሕሪ ክልተ ርግኣት ዝረሓቐን ዓመታት ናብ ንቡር ኲነታቱ ተመሊሱ’ሎ።

ግሮና ሉንድ፡ ኣብ ዮተበሪ ዝርከብ ዝዓበየ ናይ ምዝንጋዕ ፓርክ ሊስበርግ፡ ከምኡውን ብርክት ዝበሉ ካልኦት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ኣብ 2020 ክዕጸዉ ከም እተገብሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውስኑነት ተኸፊተን ዝጸንሓ እዘን ፓርክታት ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ ሰንበት ብዘይ ዝኾነ ቀይዲታት ምሉእ ብምሉእ ክኽፈታ እየን ተባሂሉ’ሎ።

“ኣብቲ ዝግባእ ወቕቲ ንኽፍት ምህላውና ብሓቂ ባህ ዘብል እዩ,” ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ግሮና ሉንድ ማግኑስ ዋይደል ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com