Thursday , April 18 2024
Antonio Olmos/Eyevine/TT

ብሰንኪ ምድንጓይ ብረክሲት ብሪጣንያ ኣብ ምርጫ ኣውሮጳዊ ባይቶ ተኽእሎ ኣሎ ።

ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጠቕሊላ ንምፍናው ሰለስተ ወርሒ ወይ ልዕሊኡ ምድንጓይ እንተጌራ ኣብ ምርጫ ኣውሮጳዊ ባይቶ ክትሳተፍ ምዃና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ።

ንሕጋዊ ጒዳይ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝትንትን ሓደ በዓል ሞያ ” ብሪጣንያ ኣባል እዚ ሕብረት ክሳብ ዝኾነት ኣብ ምርጫ ኣውሮጳዊ ባይቶ ክትሳተፍ ትግደድ እያ” ኢሉ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ሕጊ ኣውሮጳዊ ሕብረት እዚ ማለት ብሪጣንያ ካብ ኣባልነት ክትወጽእ ኣብ ቀረባ ትሃሉ’ምበር ኣባልነታ ኣብ ቦትኡ ስለዘሎ ወይ ኣብዚ ክትሳተፍ ወይ ነዞም ውዕላት ብሕጊ ክትነጽጎም ጥርይ እዩ ዘለዋ።

ዝመጽእ ምርጫ ኣውሮጳዊ ባይቶ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት እዩ ክካየድ። እዚ ማለት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኣባላት ብሪጣንያ ከድምጹ ይግብኦም ማለት እዩ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ካብቲ ሕብረት ጥቕሊሉ ናይ ምውጻእ መደቡ ዳግማይ ክዝትየሉ እኳ ሓሳብ እንተቕረበ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዛጊት ፈቓደኝነቱ ኣይገለጸን ዘሎ።

ባይቶ ብሪጣንያ ምስ ቀዳምይቲ ሚኒስተር ተሬሳ መይ ብዛዕባ ካልእ መማረጺ ውጥን ብረግዚትን ኣብ ምቅላስ ይርከቡ ኣለዉ።

እዚ ኣማራጺ ሓሳብ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ብብዝሒ ድምጺ ሃውስ ኦቭ ኮመንስ ውዱቕ ከም እተገብረ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com