Saturday , April 20 2024

ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብረርቲ (ፓይሎታት) ስርሖም ምስኣኖም ተገሊጹ

ኢንዱስትሪ መንገዲ ኣየር ሽወደን፡ ብለበዳ ኮሮና ብኸቢድ ስለዝተሃስየ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ኩባንያ SAS ካብ ስርሖም ይመዛበሉ ምህላዎምን ተፈሊጡ።

ዛጊት 210 ኣብረርቲ ነፋሪት ኩባንያ SAS፡ ናይ መወዳእታ ወርሓዊ ደሞዞም ንምውሳድ ይሰርሑ ምህላዎምን ድሕሪዚ ድማ ክፋነዉ ምዃኖምን ተሓቢሩ።

ብመሰረት ፈደሬሽን ኣብረርቲ ነፈርቲ፡ ለበዳ ኮሮና ኣብ መጀርመታ ዓመት 2020 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ካብ 1500 ኣብረርቲ ነፈርቲ እቶም 950 ዝኾኑ ካብ ስራሕ ከም እተፋነዉ ኣመልኪቱ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ንጥፈታት መጓዓዝያ እተኸስተ ምንቁልቋል፡ ኣብ መንገዲ ኣየር፡ ንዝነበረ ፋይናንሳዊ ጸቕጢ ክደግስ ከም ዝገበሮን ትካላት በረራ ናይ 84 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከም ዘጋጠመንን ድሮ ገለ ኩባንያታት ምጥፋሸን ከም ዝኣወጃ ዝፍለጥ እዩ። 

ኣባላቱ 290 መንገዲ ኣየር ዝኾነ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር፡ መኽሰባቱ ካብ 419 ቢልዮን ዶላር ከም ዘይሓልፍን እዚ ምስ ናይ ዓመተ 2019 ዝነበረ ኣታዊ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብፍርቂ ምጉዳሉ ኣመልኪቱ። ዋላ’ኳ ገለ ዓማዊል ይምለሱ እንተሃለዉ እዚ ክሳራ ካብ እተገመቶ ንላዕሊ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ። ኣብ ታሪክ መጓዓዝያ ኣየር፡ ሎሚ ዓመት፡ እቲ ዝኸፈአ ምንባሩ እቲ ማሕበር ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ቅልውላው ኮሮና ዘስዕቦ ክሳራ፡ ብደረጃ ዓለም ናይ 46 ሚልዮን ስራሕ ብግዜያውነት ክዘርግ ከም ዝኽእል ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ክሳብ 2024 ዝበጽሕ፡ እዚ ደረጃ ክሳራ ናብቲ ኣብ 2019 ዝነበሮ ሕውየት ክስተኻኸል እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሎም ድማ ወሲኹ ኣብሪሁ።

ኣብ ዝቕጽል ዓመት ኣብ መንገዲ ኣየር፥ መዓርፎ ነፈርቲን ኩባንያታት ሲቪል ኣቭየሽንን ዘሎ ሽቕለት ኣልቦነት 4.8 ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእልን እዚ ድማ ቅድሚ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ምስ ዝነበረ ሽቕለት ኣልቦነት ክነጻጸር እንከሎ ብ43% ከምዘንቆልቀለ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com