Friday , March 29 2024
Foto: TT

ብሰንኪ ዘይመኸኸ በረድ ሓደጋታት መካይን ስዒቡ!

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ልደት ብሰንኪ ዘይመኸኸ በረድ ዘስዓቦ ምንሽርታት መካይን ሓደጋታት መካይን ስዒቡ።

ኣብ ምዕራብ ኒብሮ ጐደና 25 ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ግሊ መኪና ምስ ናይ ጽዕነት መኪና ብምግጫዋ ክልተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለው። እዚ ሓደጋ ኣብ ከባቢ ሰዓት ሓደ እዩ ኣጋጢሙ።

ኣብ ቫስተርኖርላንድ ትሽዓተ ሓደጋታት ትራፊክ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት ከም ዘጋጠሙን እዚ ድማ ብሰንኪ ምስ እንስሳታት ገዳም ምልታምን ዘይመኸኸ በረድ ዘስዓቦ ምንሽርታት እዩ ተባሂሉ።

ኣብዚ ኣወራጃ ኣብ ሰባት ዝበጽሐ ናይ ሞት ሓደጋ የለን። ኣርባዕተ እንስሳታት ምሟቶም ግና ተጸብጺቡ’ሎ።

ብመሰረት ሕጊ ትራፊክ ሓደ ሰብ ምስ እንስሳ ምስ ዝጋጮ ንፖሊስ ክሕብርን ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ምልክት ብምግባር ንኻልኦት ዘወርቲ መኪና ከጠንቅቕን ይግብኦ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com