Tuesday , April 23 2024

ብስግኣት ነታጒ ነፋሪት ካብ በረራ ትምለስ።

ብመሰረት እተረኽበ ሓበሬታ ሓንቲ ገያሾ ኣርላንዳ ብስግኣት ነታጒ ካብ በረራ ተመሊሳ’ላ።

ብመሰረት እተረኽበ ሓበሬታ ኣብ ነፋሪት ገያሾ ናይ ነታጒ ስግኣት ካብ መገሻ ከም እተታረፍ ጌርዋ’ሎ።

እዛ ናብ Nice ተምርሕ ዝነበረት ገያሾ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምርመራ ፖሊስ ትርከብ።

እቲ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣብ ኣጋ ሰዓት ዓሰርተሓደን ፈረቓን እዩ ተሰሚዑ። መድሕን ባሕሪ ን ፒፎር ስቶክሆልም ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ተጠውያ ኣብ 11፡15 ኣብ ኣርላንዳ ዓሊባ’ላ።

ፖሊስን ኣባላት መድሕንን ነቲ ጒዳይ ተታሓሒዞሞ ምህላዎምን ፖሊስ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ድሕሪ ምርካቦም ነቲ ናይ ነታጒ ስግኣት ኣሎ ዝብል ሓበሬታ እናመርመርዎ ከም ዝርከቡ ገሊጾም ኣለዉ። እታ ነፋሪት 169 ገያሾ ጽዒና ምንባራ እውን ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com