Wednesday , April 24 2024
tourists play in the waves on Flamingo beach on the northern Pacific coast of Costa Rica. (AP Photo/Kent Gilbert)

ብብዝሒ ሰብ ጉዕዞ ናብ ዘዘውትረለን ሃገራት ብዝምልከት ዝወጹ ሕግታት

ተርእዮ ሓድሽ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ኣብ ብዙሓት ቦታታት – ካብዚ ስዒቦም ነቶም ኣብ እዋን በዓላት ልደት ክገሹ ንዝሓስቡ ሰባት ዝምልከቱ ሕጊታት ይርከቡ።
ምስቲ ዘሎ ምቅይያር ኩነታት ናይቲ ለበዳ፡ እዞም ሕግታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተዋህበ ሓበሬታ ታሕሳስ 22 እዩ ተረኹቡ።
ሽወደን ኣብ አውሮጳ ካብ ዝርከባ ኣብ ትሕቲ እቲ “ዝለዓለ ብርኪ ናይ ሓደጋ” ካብ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ እያ። እዚ ማለት ድማ ካብ ሽወደን ንዝነቕሉ ተጓዓዝቲ ንኣዝዮም ኸበድቲ ሕግታት ዝተቓልዑ እዮም ማለት እዩ።
ስፐይን
ኣብ ስፐይን፡ እቶም መብዛሕትኦም ግዜ ኣብ ተግባር ዝውዕሉ ሕግታት እዪም ዝትግበሩ – ዝኾነ ይኹን ልዕሊ 12 ዓመት ዕድመ ዘለዎ/ዋ ሰብ፡ ወይ ናይ ክትባት ወረቐት ምስክር ወይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብዝተገብረ ምርመራ፡ ካብ ኮቪድ ቫይረስ ናጻ ከምዝኾነ/ት ዝሕብር ናይ ወረቐት ምስክር ከቕርብ/ከተቕርብ ኣለዎ/ዋ።
ብኣውሮፕላን ወይድማ ብመርከብ ናብቲ ቦታ ንጽበጽሑ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናይ ጥዕና ኩነታት ዝገልጽ ወረቐት ከቕርቡ ይግባእ። ብናይ መሬት መጓዓዝያ ንዝኣትው ሰባት ግና እቲ ስሩዕ ሕግታት ዝጠልቦም ሮቓሕታት ንኸማልኡ እንተዘይኮይኑ እዚ ናይ ጥዕና ኩነታቶም ዝገልጽ ናይ ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ኣይሕተቱን እዮም።
ክሳብ እዛ ሕጂ እዋን ሓፈሻዊ ዕጽዋ፣ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መኸላኸሊ ምግባርን ናይ 1,5 ሜትሮ ርሕቀት ናይ ምሕላውን ኣድላይነት ብኣዋጅ ኣይጸደቐን ኣይተኣወጀን። ኮይኑ ግና፡ እቶም ዞባዊ ምምሕዳራት ከም ኣዋጅ እዋን እቶ እቶ ሓዊሱ፡ ናይ ባዕላቶም ናይ ለበዳ መከላኸሊ መስርሓት ከተኣታትው ዝኽእልሉ ኣገባብ ኣሎ’ዩ። ብተወሳኺ’ውን፡ ናይ ባራት ዝኽፈቱሉን ዝዕጸውሉን ሰዓታት ብዝምልከት ሕጊታት ወጽዮም ኣለው።
ታይላንድ
ካብ ቀዳማይ ሕዳር  ጀሚሩ ክትባት ንዝወሰዱ ሽወደናውያን ምውሻብ ኣየድልዮምን እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሓደ ለይቲ  PCR ዝባሃል ናይ ምርመራ ዓይነት ኣብ ዘማለአ ብፍሉይ ዝተዳለወ ሆቴል ናይ ምጽናሕ ግዴታ ኣለዎም።
ዝኾነ ይኹን ናብ ታይላድ ዝገይሽ ሰብ፡ ኣብቲ ናይ ሓንቲ ለይቲ ናይ ዕጽዋ ጻንሒቱ እቲ “ታይላንድ ፓስፖርት”  ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወረቐት ከቕርብ ኣለዎ። ምስኡ ብተወሳኺ ናይ ክትባት ወረቐት፣ ፓስፖርትን ኣብቲ እዋን መገሽኦም ዘድልዮም እኹል ቁጠባዊ ዓቕምን ኮምኡ ድማ ናይታ ሓንቲ ለይቲ ክሓድሩላ ዘኽእሎም ኣቐዲሞም ቆጸራ ዝሓዙሉ ወረቐት ከቕርቡ ይግብኦም።
ክትባት ዘይወሰዱ ገያሾ ናብ ሶፐይን መእተዊ ፍቓድ ኣቐዲሞም ከመልክቱ ዝግብኦም ኮይኑ፡ ባዕሎም ኣብዝኸፍልዎ ናይ መወሸቢ ሆቴል ን11 መዓልታት ክውሸቡ ኣለዎም።
ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ይኹን ኣብ ደገ ናይ ገጽ መሸፈኒ ንኽግበር የገድዱ እዮም። ዋላ’ኳ ኣብ ሓደ ሓደ ኣውራጃታት ናይ ለይቲ ሰዓት እቶ እቶ እንተሎ፡ ካብ መብዛሕትአን ዝውቱራት ቦታታት ግና እዞም ገዳታት ተላዒሎም እዮም።
ኣውስትሪያ
ካብ 22 ሕዳር ጀሚሩ፡ ኣብ ኣውስትሪያ ጽንኩር ዝኾነ ናይ 24/7 እዋን እቶ እቶን ዕደጋ ናይ ኣድለይቲ ነገራትን ዝሓውስ ሕጊ ተግባራዊ ኾይኑ ይርከብ።
ኣብ ቤት ብልዒ ክምገቡ ንዝደልዩ ሰባት፡ እቲ ምግቢ ሒዞሞ ክኸዱ ይግደዱ። ኩሉ ዓይነት ናይ ባህላዊን መዘናግዒን ቦታታት ዕጹዋት እዮም።
እዞም ሕግታት ን20 መዓልታት ኣብ ተግባር ዝውዕሉ ኾይኖም ድሕሪ 10 መዓልታት ድማ ተገምጊሞም ቀጻልነቶም ዝርአይ ይኸውን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ’ውን እንተኾነ፡ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣውስትሪያ ክትገሹ እትደልዩ፡ ናይ ኮቪድ ፓስፖርትን ካብ ናይ ኮቪድ ቫይረስ ናጻ ምዃንኩም ዘረጋግጽ ንኣይ ምስክር ወረቐት ከተቕርቡ ኣድላይ ምዃኑ ክትፈልጡ ይግብኣኩም።
በተወሳኺ’ውን ካብ ታሕሳስ 6 ጀሚሩ እቲ ናይ ክትባት ናይ ምስክር ወረቐት ካብቲ ክትባት ዝወሰድኩምሉ ዕለት ኣትሒዙ ን 270 መዓልታት ጥራሕ ከምዘገልግል ክትፈልጡ ይግባእ።
ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ቤት ብልዒታትን ሆቴላትን ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደሊኹም፡ ኣብ ትሕቲ Ministry of Foreign Affairs’ Swedenabroad.se ኣቲኹም ተወከሱ።
ሃገረ እንግሊዝ
ናብ ዩናይትድ ኪንግደም (ዓባይ ብሪጣንያ) ሓዊሱ ዝኾነ ይኹን ናብ ሃገረ እንግሊዝ ክገይሽ ዝደሊ ሰብ፡ ሙሉእ ናይ ኮቪድ ቫይረስ ምርመራ ክገብር ከምዝግብኦ ክፈልጥ ኣለዎ። እቲ ምርመራ ዝግበር ቅድሚ መገሻ ቅድሚ 2 መዓልታት ኣብ ዝተሓዝ ቆጸራ ኾይኑ ኣቐዲሙ እዩ ዝኽፈሎ። እዚ ዝግበር፡ እቲ ናይ መገሻ ጻንሒት ካብ ክልተ ማዓልታት ንዝሓጸረ ግዜ ዋላ እንተኾነ እዩ።
እቲ ውጽኢት ናይቲ ምርመራ ፖዚቲቭ እንተኾይኑ ድማ፡ ናይ 10 ማዓልታት ውሸባ ተግባራዊ ይኸውን ማለት’ዩ።
ብፍሉይ ብናይ ሓኪም ትእዛዝ ምኽንያት ክትባት ክወስዱ ዘይክእሉ ሰባት ምስዝህልው፡ ኩነታቶም ብዘየገድስ እቲ ካልኦት ዝገብርዎ ከይዲ ናይ ሕክምና ክስዕቡ ክሕተቱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ማለት እቶም ክትባት ክወስዱ ፈቓደኛታት ዘይኮኑ ሰባት ቅድሚን ድሕሪን መገሾም ክመርመሩ ይግደዱ። ድሕሪኡ ን10 መዓልታት ይውሸቡ።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ
እቶም ሕግታት ዋላ’ኳ ብብርኪ ኣውራጃን ግዝኣታትን ዝፋላለዩ እንተኾኑ፡ ወሰንቲ ሓፈሻዊ ሕግታት ግና ኣለው። ብኣውሮፕላን ናብ ኣሜሪካ ዝኣቱ ስብ ጸረ- ኮቪድ ክትባት ዝወሰደን ቅድሚ መገሻ ኣብ ውሽጢ 3 ማዓልታት ዝተገብረ ካብ ኮቪድ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ዝገልጽ ወረቐትን ከቐርብ ኣለዎ። ናይ ጥዕና ኩነታት ዝገልጽ ቅጥዒ’ውን ክመልእ ኣለዎ።
ዝኾነ ክትባት ዘይወሰደ ይኹን ካብ ዝምልከቶ ኣካል ክትባት ከምዘየድልዮ ዝገልጽ ወረቐትን መርትዖን ዘይብሉን ሰብ፡ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክኣትው ኣይክእልን እዩ።
ስዊዘርላንድ
ስዊዘርላንድ ካብተን ካልኦት ኣውሮጳውያን ሃገራት ቁሩብ ፍልይ ዝበለ ኩነታት ኣለዋ። እቶም ናይ ክትባት ወረቐት ከርእዩ ዝኽእሉ፡ ድሕሪ ናብታ ሃገር ምእታዎም ምርመራ ናይ ኮቪድ ቫይረስ ክገብሩ ኣይግደዱን እዮም። ኩነታት ናይ ለበዳ ኣብታ ሃገር እንዳገደደ ይመጽእ ስለዘሎ፡ ብዛዕባ ናብ ስዊዘርላንድ ዝግበሩ መገሻ ዝወጹ ሕግታት ብዕቱብ ምክትታሎም የድሊ።
ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር፡ ከም ናብ ዲስኮታት፣ ሲነማታትን ናይ ስፖርት መዘውትሪ ማእከላትን ዝኣመሰሉ ካልኦት ቦታታት ክትኣቱ እንከለኻ ንኣፍን ኣፍንጫን መከላኸሊ ተባሂሎም ብዛዕባ ዝግበሩ መሸፈኒታት ብዝምልከት ኣብ ተግባር ዝውዕሉ እገዳታት ኣለው።
ኮስታ ሪካ
ኮስታ ሪካ ማለት ካብተን ናይ ምስክር ወረቐት ኮነ ክትባት ኮምኡ’ውን PCR ምርመራ ዘይሓታ ሃገራት እታ ሓንቲ እያ። እቶም ናይ ክትባት ወረቐት ከቕርቡ ዘይክእሉ ሰባት፡ ኣብቲ ግዜ ጻንሒቶም ከጋጥም ንዝኽእል ናይ ኮቪድ 19 ሕክምናን ናይ መወሸቢን ወጻኢታት ዝሽፍን ናይ  ኢንሹራንስ ዋሕስ ክህልዎም ኣለዎ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኮስታ ሪካ፡ እዚ እዩ ክባሃል ዝኽእል እገዳታት ዘይብላ ሃገር እያ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com