Thursday , April 25 2024
SVT Grafik

ብተዛማዲ ብርቱዕ ዝበሃል ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ሰሜናዊ Hagfors ኣጋጢሙ።

ሰሉስ ንግሆ ሰዓት 7:16 ካብ Hagfors 34 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቦታ ኣጋጢሙ። ብመሰረት ማእከል ሴስሚክ ሽወደን ዓቐን እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 3.2 ሬክተር ስኬይል ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

መብዛሕትኦም ተቐማጦ Värmland ነዚ ምስምዖም ድማ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ክኢላ ምንቅጥቃጥ ምድሪ Boron Lund እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብደረጃ ሽወደን ብተዛማዲ ብርትዕ ዝበለ ክበሃል ዝከኣል እዩ።

ኣብ ሽወደን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሳሕቲ ጥራይ እዩ ዘጋጥም። ዝሓለፈ ዓመት ሰለስተ ናእሽቱ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዝጋጠመ ይፍለጥ።

ኣብ 2008 ኣብ ሽወደን ዝዓበየ ዝበሃል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ሉንድ ዘጋጠመ ኮይኑ ዓቐኑ 4.3 ሬኽተር ስኬል ይበጽሕ ኔሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com