Friday , March 29 2024

ብናይ ርሑቕ ኣገባብ ኣመሃህራ፡ ክሳብ መወዳእታ ዓመተ ትምህርቲ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኖርታላያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሽማግለ ትምህርቲ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ ትምህርቲ፡ ኩለን ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርታት (ካብ 7ክሳብ 9ክፍሊ)፡ ማለት፡ ቤት ትምህርቲ ሩስላግስኩላን (Roslagsskolan)፡ ቤት ትምህርቲ ስቫንቤርያ (Svanberga)ን ቤት ትምህርቲ ሃልስታ (Hallsta)ን ናይ ርሑቕ ኣገባብ ኣመሃህራ ክጥቀማ ምዃነና ሓቢሩ።

እዚ ውሳኔ፡ ካብ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 14/01/2021 ተግባራዊ ኮይኑ፡ ክሳብ መወዳእታ ዓመተ ትምህርቲ ዝጸንሕ እዩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ንኹለን ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርታት ናይ ምውሳን ዕድል ሂቡ ከምዝነበረ ይዝከር። እዘን ቤት ትምህርታት፡ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺበንኦ፡ ናብ ናይ ርሑቕ ኣገባብ ኣመሃህራ ክልውጣ ዘኽእለን ዕድል ተዋሂበን ምንባረን ይዝከር። ኣብቲ እዋን፡ ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ኣና ኤክስትሮም፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርታት ዝተተግበሩ ረቛሒታት፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርታት ክትግበሩ ከምዝኽእሉ ሓቢራ’ኳ እንተነበረት፡ ግዴታ ከምዘይኮነ ግን ኣዘኻኺራ ነይራ። እቲ ምርጫ ናብተን ናይ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህታት ዝተገድፈ እዩ ክትብል ኤክስትሮም መብርሂ ሂባ ምንባራ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com