Thursday , April 25 2024
TT

ብኾዋኽብቲ ዝተኽተኸት ፈረንሳ ብቱርኪ ትስዓር!!

ንመጻረይ ዋንጫ ኤውሮጳ 2020 ንምሕላፍ  ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ኦኣበይቲ ጋንታታት ኢጣልያ፣ በልጂም፣ ጀርመን ኣብ ልዕሊ መጋጥምተን ዓወት ክጛናጸፋ ከለዋ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም 2018 ዝኾነት ግን ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ግን ብኸዋኽብቲ ተጻወቲ ዓለም ኣብዝሓቐፈትሉ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብሃገራዊት ጋንታ ቱርኪ 2 ብ 0 ተሳዒራ። በዚ መሰረት መርሒነት ምድባ ኣረኪባ ናብ ዝቕጽል ውድድራት ተቓምት።

ተንተንቲ ስፖርት ከምዝገልጽዎ ዘለዎ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ኣብ ገለተጻወትን ቕዲ ኣጸዋውታ  ጋንታ ፈረንሳ ምቕያር ዝገብረሉ ዘርእይ እዩ ክብሉ የገልጹ። በንጻሩ ድማ ብ መንእሰያት ተጻወቲ ዝተሃንጸት ሃገራዊት ጋንታ ጥልያን ብተንጻባርቖ ዘላ ጸወታ ኣድናቖት  ብዝሓት ትረከብ።

ኣብዚ ናይ ትማሊ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ሩሳያ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ሳም ማሪኖ 9 ብ 0 ገፊሕ ዓወት ኣመዝጊባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com