Thursday , April 18 2024
N Lorek/TT

ብዋጋ መግቢ መጺእና እተን ዝበለጻ ከተማታት ሽወደን እኒመን እየን?

ኣብ ዋጋ መግቢ ካብ ድኳን ናብ ድኳን ፍልልይ ኣሎዶ?

ነዚ ንምፍላጥ ውድብ ጡረተኛታት እወደን ኣብ ከባቢ 700 ድኳናት መጽናዕቲ ተጌሩ ኔሩ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ ኣብ ዱካን ዝሽየጥ ዘንቢል መኣዲ 100 ክሮነር ኣብ ካልእ ድማ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ብ 142 ክሮነር እዩ።

ብመሰረት እቲ ዳህሳስ ካብ ዓበይቲ ድኳናት ናእሽቱ ድኳናት ብዝያዳ ከም ዝኸብራን ኣተን ዝሓሰራ ኣብ Värmland ዝርከባ ክኾና እንከለዋ እቲ ዝኸበረ ድማ ኣብ Västerbotten (Westerbotten), Jämtland (Imtland), Bohuslän, Dalarna (Dalarna) ከምኡውን Stockholm እዩ።

ብቀጥታ ዝግበር ሸመታ መግቢ ካብ ብኣካል ዝግበር ሸመታ ብ 12 ሚእታዊት ጥራይ ሕሳር ምኳኑ እውን ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com