Friday , April 19 2024
TT

ብዓልቲ ቤቱ ብኻራ ዝቐተለ ኤርትራዊ መንእሰይ 17 ዓመት ማእሰርትን ንሃገሩ ክባረርን ተፈሪዱ።

ኣብ ከተማ ሞታላ ዝነብር ወዲ 33 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ብዕለት 8 ኖቨምበር 2018 ንብዓልቲ ቤቱ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብኻራ 20 ግዜ ብምውጋእ ከምዝቀተለ ዝዝከር ኮይኑ ቤት ፍርዲ ሊንሾፒንግ ነዚ ኣቦ ክልተ ቆልዑት መንእሰይ ን17 ዓመት ማእሰርትን ድሕሪ ማእሰርቱ ምውድኡ ድማ ናብ ሃገሩ ክባረር ፈሪድዎ።


እዚ መንእሰይ ነዚ ገበን ክፍጽሞ ዝኸኣለ ብዓልቲ ቤቱ ፍትሕ ስለዝሓተተቶ ምኻኑ ኣብ ግዜ መርመራ ካምዝሓበረ ተፈሊጡ።

እቲ መቅተልቲ ኣብ ቅድሚ ክልተ ህጻናት ደቆም 2012 ከም ኡውን ኣብ 2018 ዝተወለዱ ምፍጻሙ ካልእ ካብቲ ነቲ ገበን ከቢድ ዝገብሮ ምኻኑ ኣብቲ ፍርዳዊ መስርሕ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com