Thursday , April 25 2024
A man suspected of attempted rape is forced to wash women's clothes for six months (AP Photo/Altaf Qadri)

ብዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኸሰሰ ሰብኣይ፡ ኣልባሳት ደቂ ኣንስትዮ ንኽሓጽብ ተገዲዱ

ኣብ ሰሜን ምምሕዳር ቢሃር፡ ህንዲ፡ እትርከብ ገጠር ዝነብር ሰብኣይ፡ ብፈተነ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ተኸሲሱ፡ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል፡ ኣልባሳት ናይተን 2 ሽሕ ነበርቲ ናይታ ገጠር ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓጺቡ ከስታርር ከምዝተፈርደ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ሰብኣይ ሰራሕተኛ ናይ እንዳ ሕጽቦ ክዳውንቲ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ እዩ።

ኩለን ተቐማጦ ናይታ ገጠር ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ብውሳኔ ናይቲ ቤት ፍርዲ ሕጉሳትን ዕጉባትን ምዃነን ኣደወንበር ሽማግለ እቲ ዓዲ፡ ናሲማ ኻቶን፡ ገሊጻ።

ሰብ መዚ ህንዲ፡ ብዛዕባ ገበናት ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት፡ ዝግባእ ስጉምታት ብዘይ ምውሳዶም፡ ክንቀፉ ምጽነሖም ይፍለጥ። ንዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሕጊ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ከተማ ኒውደልሂ ዝተራእየ ኣጋጣሚታት ናይ ጉጅለ ዓመጽ፡ ኣብ ዓመተ 2012፡ ገምጋም ከምዝተገብረሉ ዝዝከር እኳ እንተኾነ፡ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ግን ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎ እዩ ዝንገር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ 28 ሽሕ ጥርዓናት ዓመጽ ከምዝነበረ ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com