Tuesday , April 16 2024

ብዕሸሎም ኣሸገርቲ መግቢታት ዝጥዕሙ ካብ ኣለርጂ ከም ዝገላገሉ ተገሊጹ።

ዕሸላት ቆልዑ ካብ ሰለስተ ወርሖም ኣትሒዞም ጠስሚ ፉል፡ ጸባን እንቋቚሖን ከም ዝወስዱ ምግባር፡ ካብ ቊጠዐ ኣካላት (ኣለርጂ መግቢ) ክከላኸለሎም ከም ዝኽእል፡ ኣብ ትካል ካሮሊንስካ ከምኡ’ውን ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ እተገብሩ መጽናዕቲታት ኣመልኪቶም። ዝርዝር እዚ መጽናዕቲ ኣብ ሳየንሳዊ መጽሄት ዘ ላንሴት ተሓቲሙ’ሎ።

ብመስረት እዚ መጽናዕቲ፡ ሰለስተ ወርሒ ዝዕድሜኦም ዕሸላት ንሰለስተ ኣዋርሕ፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሳዕ ኣብ ሰሙን እዚ መግቢታት ብውሑድ መጠን ክወስዱ፡ ድሕሪኡ ኸኣ እዚ መግቢ ምስ ካልእ ዓይነታት እናተሓወሰ ከም ዝወስድዎ ከም እተገብረ ተመልኪቱ።

እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተነ እተገብረሎም ዕሸላት፡ ቊጠዐ መግቢ (ኣለርጂ) ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ብ 50% ከም ዝጎደለ እቲ መጽናዕቲ ከረጋግጽ ክኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com