Thursday , April 25 2024

ብድቁሶም ኣብ ገዛ ዝዛወሩ ሰባት ዘካይዱዎ ንጥፈታት

ድቃስ፡ ሰላምን ህድኣትን ዘለዎ ንጥፈት እዩ። ዝበዛሕና ሰባት ሰዓታት ድቃስና ኣኺሉ ናብ መደቀሲ ዓራትና ምስ ደየብና፡ ማዕጾ ሸጒርና መፍትሕ ክንሓብእ ኣይንግደድን ኢና። ወይ’ውን በላሕትን ሓደገኛታትን ነገራት ከነርሕቖም ኣይንሓስብን ኢና። ኣብ ዓለምና ካብ ዝርከብ ህዝቢ፡ እቲ ኣስታት ሓደ ሚእታዊት ብድቁሱ ዝዛወር ሰብ (ዓዋጂ) ምዃኑ ኣብ’ዚ ዓውዲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ክኢላታት ዝሕብሩዎ’ዩ። እዞም ከምዚ’ኦም ዓይነት ሰባት፡ እዚ ክስተት ዳርጋ ክልተ ግዜ ኣብ ወርሒ’ዩ ዘጋጥሞም። ብድቁሶም ዝዛወሩ ሰባት ብዘይ ምኽንያት፡ ብድቁሶም ኣብ ገዛ ክንቀሳቐሱ፡ ስድራቤቶም ከሽግሩን ጸኒሖም ድማ ድቃሶም ክቕጽሉ ናብ ዓራት ከም ዝምለሱን ይፍለጥ። ገለ ገለ ሰባት’ውን ካብዚ ዝኸፍእ ፍልይ ዝበለ ነገር ክገብሩ ይረኣዩ።

ከም’ቶም ኣብ መንጎ ድቃስ ክጎዓዙ ዝረኣዩ ሰባት፡ ገለ ገለ’ውን ካብ ዓራቶም ተንሲኦም ኣእምሮኦም ገና ከይተበራበረ መኪና ክዝውሩ ይረኣዩ እዮም። ደቂሶም መኪና ዝዝውሩ ሰባት፡ ሓደ ሓደ እዋን ነዊሕ መንገዲ ክጐዓዙ ይኽእሉ እዮም። እዚ ተርእዮ’ዚ ብዙሕ’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ሓደጋ ከጋጥም ግን ይርአ’ዩ። ብዘይካ’ዚ እዞም ብድቁሶም ዝዛወሩ ሰባት፡ ክሳብ ፈተነ ናይ ቅትለት ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ 2009 ኣብ ዋለስ ዝቕመጥ ብረይን ቶማስ ዝተባህለ ሰብኣይ፡ ብሰንኪ ደቂሱ እንከሎ ዝፈጸሞ ቅትለት በዓልቲ ቤቱ፡ ተኸሲሱ እዩ። ቶማስ ንኣስታት 50 ዓመታት እዚ ከጋጥሞ እንከሎ፡ ዝዀነ ሓደጋ ከየውርድ ራዕዲ ይፈጥረሉ ኔሩ እዩ። ሓደ ሓደ እዋን’ውን ከይተረድኦ ካብ መደቀሲ ክፍሉ ወጺኡ ኣብ ካልእ ክፍሊ ደቂሱ ይጸንሕ ኔሩ እዩ።

ኣብ ቅድሚ ሰብ ጥራይ ነብስኻ ማለት ዕርቃንካ ወጺእካ ምርኣይ፡ ኣጸያፊ እዩ። እዚ ኣጋጣሚ ነዞም ብድቁሶም ዝጐዓዙ ሰባት ከጋጥሞም ይርአ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝርአ ይሕበር። ኣብ ገዛኦም በይኖም ዘለዉ ከም ዝመስሎም’ውን ይጥቀስ። ዳርጋ ዝበዝሐ ሰብ ምስ ደቀሰ ሃተፍተፍ ይብል እዩ። እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ሰባት ሳሕቲ ከጋጥም ይርአ። ገለ ገለ ሰባት ግን ዳርጋ ምሉእ ዕላል ክበሃል ይከኣል’ዩ፡ ምሉእ ለይቲ በይኖም ክዛረቡ ይሓድሩ። እዚ ዝደቀሱ ሰባት ዝዛረቡዎ ዘረባ፡ ነቲ ተንሲኡ ዘሎ ሰብ ሃተፍተፍ ወይ ጥቕሚ ዘይብሉ ዕላል ክመስሎ እንከሎ፡ ነቲ ደቂሱ ዘሎ ሰብ ግን ትርጉም ዘለዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ተመራመርቲ ኣብ ዝገበሩዎ መጽናዕቲ፡ እዞም ብድቁሶም ዘዕልሉ ሰባት ዋላ’ኳ ብዙሕ እንተተዛረቡ፡ ምስጢር ግን ኣየምሉቑን’ዮም ክብሉ ይገልጹ። ዋላ’ውን ብዛዕባ እንታይ ይዛረቡ ኣለዉ ብንጹር ክፍለጥ ከምዘይከኣል እዮም ገሊጾም። ደቂሶም ከለዉ ዝጐዓዙ ሰባት፡ ናይ ኣመጋግባ ጸገም ከም ዘለዎም’ውን ይግለጽ እዩ።

 ከም ኣብነት ገለ ሰባት ብቐትሪ ወይ’ውን ተበራቢሮም እንከለዉ ክምገቡዎም ዝሕረሙዎ መግብታት፡ ብድቁሶም ክምገቡዎም ከም ዝረኣዩ ይፍለጥ። ብዝያዳ ድማ ሽኮራውያን መግብታት ክምገቡ ይረኣዩ። ብተወሳኺ’ውን ካብ ምምጋብ ሓሊፎም፡ ተንሲኦም መግቢ ክሰርሑ ይረኣዩ እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ናይ ባርዕ ከጋጥሞም ይርአ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com