Tuesday , April 23 2024
TT

ብግብረሽበራ ሓምሻይ ሰብ ተታሒዙ

ሓደ 38 ዓመት ዝዕድመኡ ሰብ ንግብረሽበራ ብምምዋሉ ተታሒዙ ኣሎ። እዚ ሰብ’ዚ ኣብቲ ኣብ ሶልና ወረዳዊ ፍርድቤት ዚካየድ ዘሎ ንግብረሽበራ ዚምልከት ጉዳይ፡ 5ይ ኮይኑ እዩ ዚተሓዝ ዘሎ።

ኣኽባር ሕጊ ፐር ሊንድክቪስት እቲ ጉዳይ ጌና ይቕጽል ከም ዘሎ ይሕብር። ክሳዕ ሕጂ 4 ተታሒዞም ኣለዉ። ክልተ ካባታቶም ንግብረሽበራ ዝተሓባበሩ ኪኾኑ ከለዉ፡ እቶም ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ ምምዋል ግበርሽበራ እተዋፈሩ እዮም።

እቶም ሰለስተ ኣብ ሚያዝያ 30፡ ኣብ ኦካላ፡ ሰሜን ስቶክሆልም፡ ከምኡውን ኣብ ስትረምሱንድ ሰሜን የምትላንድ እዮም ተታሒዞም። እቲ ራብዓይ ድማ ስነ 1።

ካብቶም ኣቐዲሞም እተታሕዙ ሰባት፡ ሰለስተ ካብ ኡዝበኪስታን ኪኾኑ ከለዉ፡ እቲ ሓደ ግን ካብ ኪርጊስታን እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ፡ ብውሑዱ ሓደ ካባታቶም ምስቲ ዓሚ ኣብ ስቶክሆልም ሰባት ዘህለቐ ራሕማት ኣኪሎቭ ርክብ ዝነበሮ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com