Friday , March 29 2024

ብግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ 10 ሰባት ይቕተሉ።

ብሰንኪ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቦርኖ ከተማ ማይዱግሪ ዘጋጠመ ምፍንጃር ነታጒ፡ 10 ሰባት ምሟቶም ሰብ-መዚ ዞባ ቦርኖ ገሊጾም። ተቐማጦ እቶም ከባቢታት፡ ቤቶም ገዲፎም ምህዳሞም ዝገለጹ ኣመሓደርቲ’ቲ ዞባ፡ ፈጸምቲ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ከይኮኑ ኣይተርፉን እዮም ኢሎም ኣለዉ። ትማሊ ረቡዕ፡ ብተዛማዲ ህድእ ኢሉ ምውዓሉን እቶም ካብ ኣባይቶም ሃዲሞም ዝነበሩ ተቐማጦ ድማ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከምተራእዩ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ። ኣመሓዳሪ ዞባ ቦርኖ፡ ባባጋና ዝሉም፡ ሎሚ ንግሆ ክልተ ሆስፒታላት ምብጽሑን ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ 10 ሰባት ምሟቶምን ምርግጋጹ ገሊጹ’ሎ። ካብዞም ግዳያት፡ ኣብ ጽርግያ ዝጻወቱ ዝነበሩ ቈልዑ ይርከብዎም። ብዘይካ’ዚ፡ 47 ካልኦት ቈሲሎም ኣለዉ ተባሂሉሎ። ዛጊት ነዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ ተቐማጣይ ማድጒሪ ዝኾነ ሳኒ ኣዳማ ግን፡ ቦኮ ሓራም ዝፈጸምዎ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን እዩ ዝገልጽ። ማድጒሪ ቀንዲ መዋፈሪ ማእከል ዕጡቓት ቦኮ ሓራም ምዃና ተንተንቲ ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com