Thursday , April 25 2024
Foto: Sjöfartsverkets Sjö- och flygräddningscentral JRCC / NTB

ብፈተነ ቕትለትን ጾታዊ ምድፋርን እተጠርጠረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ኖርበርሪ ቬስትማንላንድ ኣብ ዝርከብ 20 ሜትሮ ዝዕምቈቱ ጒድጓድ ኣትያ ድሕሪ ምርካባ፡ ሓደ ሰብኣይ ብፈተነ ቕትለትን ጾታዊ ምድፋርን ተኸሲሱ፡ ኣብ ትሕቲ ቀዲ ምእታዉ P4 ዳላርና ጸብጺባ።

ኣገልግሎት መድሕን፡ ዓርቢ መዓልቲ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ርብዕን፡ ብዛዕባ እዛ ኣብ ጒድጓድ ወዲቓ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ተስምዕ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ’ሎ። እታ ሰበይቲ፡ ኣብቲ ጒድጓድ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝጸንሐት ዛጊት ኣይተፈልጠን። ነታ ሰበይቲ ንምድሓን ሰዓታት ዝወሰደ ንጥፈታት ከም እተኻይደን፡ ብሄሊኮፕተር ናብ ሆስፒታል ዳላርና ከም እተወስደትን ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ኣብሪሃ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com