Wednesday , April 24 2024

ቦሊዉድ ናብ ጽዕድው ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ከም ዘዳሉ ይሕመ። 

ኢንዱስትሪ ፊልም ህንዲ (ቦሊዉድ) ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ክሳብ ክንደይ ባህላዊ ገስጋስ ኣርእዩ? ዝብል ወሳኒ ሕቶ ንምምላስ ዘንቀደ ብ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝምራሕ ትንተና ከም እተኻየደ ተገሊጹ። 

ን ዝርርብ ተዋሳእቲ (Dialogue) ካብ 70 ንላዕሊ ዝተመርጻ ፊልምታት ዝመርመረ እዚ መጽናዕቲ  ነዛ ሕቶ “እወ” ን “ኣይፋልን” ዝብላ፡መልሲታት ሒዙ ተቐልቂሉ’ሎ።  

ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ብፍላይ ቦሊዉድ ኣብ ደቀንስትዮን ጽልሚ ቆርበትን ኣሉታዊ ኣድልዎ ከም፡ዘሕድር ብተደጋጋሚ ክሕመ ጸኒሑ ኣሎ። ሓደ ካብ ድርኺታት እዚ መጽናዕቲ ነዚ ንምርግጋጽ እዩ። ነዚ መርመራ ዝመርሑ ኣብ ካትኔጊ ዩኒቨርሲቲ (ኣመሪካ) መማህራን ዝኾኑ ኩናል ኻልዲካርን ኣሺኩር ኹዳቡክሽ ካብ ዓመታት 1950-2000 ዝፈረያን ብዙሕ ገንዘብ ዝሓፈሳን 100 ፊልምታት ዳህሳሶም ኣካዪዶም ኣለዉ። 

“ፊልምታት ማሕበራዊ ኣድልዎ ኣብ ምፍጣር ብሓፈሻ ድማ ባህርያት ሕብረተሰብ ኣብ ምቕራጽ ዓብዪ ተራ እዮም ዝጻወቱ” ክብል ኩዳቡክሽ ን ቢቢሲ ሓቢሩ። 

ኣብቲ መጽናዕቲ ኣብተን ዕድመ ብልዕ ዘበላ ፊልምታት ደቂተባዕትዮ ምውላድን ገዝሚን ብብዝሒ ዝደጋገማ ቃላት ምዃነን ተመልኪቱ። እዚ ድማ እቲ ደራኺ ኣተሓሳስባ እቲ ዘመን ክሳብ ክንደይ ኣብዚ ይዝንቢ ምንባሩ ዘርኢ እዩ ክብል ገምጊሙ። ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ፊልምታት ጽዕድው ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ኣዎንታዊ ኣድልዎ ከም ዘለዎ ብግልጺ ከም ዝረአ ድማ ተመልኪቲ። ህንዳውያን እቶም ዝበዝሑ ዝተፈላለየ ድምቀት ዘለዎ ቡናዊ ሕብሪ ዘለዎም እኳ እንተኾኑ ዳርጋ ብምሉአን እተን ኣዝየን ስሙያት ከዋኽብቲ ጻዕዳ ዝሕብረን ምዃነን ነዚ ዘርኢ እዩ ኢሉ–እቲ መጽናዕቲ። ብዘይካዚ ቦሊዉድ ኣብ ላዕለዋይ  ቀጸላ (caste) ሕብረተሰብ ህንዲ ዝዛዘወ ኣጣምታ  የሰጉም እዩ ተባሂሉ’ሎ። 

ቦሊዉድ ዓመታዊ ኣማኢት ፊልምታት ዘፍሪን ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ህንዳውያን ሰፊሕ ሸማታይ ዘለዎን በዓል 2 ቢልዮን ኢንዱስትሪ ምዃኑ ይፍለጥ። ከዋኽብቲ ቦሊዉድ ኣብ ህንዲ ናብ ደረት ኣምልኾ ዝጽጋዕ ተፈታውነት ከም ኣለዎም። ብስሞም ዝህነጹ ኣብያተ መቕደስን ልገሳ ደምን ከም ዝግበሩ እውን እዚ መጽናዕቲ ወሲኺ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com