Friday , March 29 2024
MIKE BLAKE/TT

ቬትናም – ኣብ እዝኑ ኣንበጣ ዝተረኽቦ ሰብ

ኣብ ሆስፒታል ሃይ ዶን ዝርከቡ ቬትናማውያን ሓካይም ካብ ውሽጢ እዝኒ ናይ ሓደ ሰብ፡ ህያው ኣንበጣ መሰል እንስሳ ብመጥባሕቲ ከምዘውጽኡ ተገሊጹ።

መርበብ ሓበሬታ ዩ.ፒ.ኣይ. ኣብ ገጻቱ ከምዘስፈሮ፡ እቲ ሰብ ቃንዛ እዝኒ በርቲዕዎ ናብቲ ሆስፒታል ድሕሪ ምኻዱ፡ ናይ ኢንዶስኮፕ መርመራ ተኻዪድሉ።

እቲ ጠንቂ ህይወት ዘለዎ ኣንበጣ መሰል እንስሳ ምዃኑ ድማ ኣብቲ መሳርሒ ክርአ ክኢሉ።

ኣብቲ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ እቲ እንስሳ ኣብ ውሽጢ እዝኒ ናይቲ ሰብ ንውሽጢ ገጹ እናፈሓረ እንከሎ ይረአ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ነቲ እንስሳ ንምውጻእ ዝተኻየደ መጥባሕቲ ብዓወት ተዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com