Tuesday , March 19 2024

ተመሃሮ ውሕስነት ከም ዝስምዖም ንምግባር ይጸዓር ምህላዉ ተገሊጹ።

ጥቓ ኣብያተ ትምህርቶም ጎነጽ እንክኽሰት፡ ተመሃሮ ዘጋጥሞም ምምዝባል ስምዒታት ንምእላይ ይስራሕ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብያተ ትምህርቲ ነዚ ሽግር ንምቕራፍ፡ ሓድሽ ናይ ስራሕ ኣገባብ ከተኣታትዋ እየን። ኣብ “ሶልና” እትርከብ ቤት ትምህርቲ “ፓርክሶላን” ክኢላ ስነኣእምሮ ብምቚጻር፡ ጥዕና ኣእምሮ ተማህሮ ንምምሕያሽ ትሰርሕ ኣላ።  ዕላማ ናይዚ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ውሕስነት ከም ዝስምዖም ንምግባር ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

“ብዛዕባ ዘጋጠመ ሕማቕ ነገራት እትዛረቦ ሰብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምህላዉ ብሓቂ ጽቡቕ እዩ” ክትብል 9 ዝዕድሜኣ ተመሃሪት “ፓርክሶላን” ኦልጋ ኣልፍረድሰን በርጋ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com