Friday , March 29 2024

ተመራመርቲ ሽወደን ካብ ዝዓሰወ ሕብስቲ “ሌዘር” የፍርዩ።

ተመራመርቲ ሽወደን፥ ካብ ዝዓሰወ ሕብስቲ ዓለባ የዳልዉ ምህላዎም ተገሊጹ። ኣርባዕተ ዓመታት ይገብር ዩኒቨርሲቲ ቦሮው ነዚ
ፕሮጀክት ብምድላዉ ተሽላሚ ኮይኑ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ፕሮጀክት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝዩ ሓዪሉ “ፕላስተራትን”

“ፊልተራት” ን ኣብ ምድላው ከም ዝርከብ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ነዚ ፕሮጀክት ትመርሕ ዘላ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቦራስ ክፍሊ
ኢንዱስትርያዊ ባዮቴክኖሎጂ ተሓጋግዚት ፕሮፈሰር ኣክረም ዘማኒ “በዚ ፕሮጀክት ኣቢልና ፍልይ ዝበሉ ፍርያት ከነዐውት ክኢልና
ኣሎና። ሓደ ካብዚኣቶም ከም “ሌዘር” ( ቆርበት) ዝዓይነቱ ማትርያል ካብ ሰበባ ምስናዕ እዩ። እዚ ሰንዓ ጠሊ ማይ ዝጻወርን
ልሉስን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ለቢስካዮ ኣብ ኣካላትካ ከም ባህርያዊ “ሌዘር” እዩ ዝስምዓካ” ክትብል ምስ ሬድዮ ሸወደን ኣብ
ዝገበረቶ ጻንሖት ኣብሪሃ።
ህሉው ኣሰራርሓ ጨርቂ ምስ ኣከባቢያዊ ዕቀባ ዘይሰማማዕ ብምዃኑ፥ ነዚ መለሳ ክህልዎ ምግባር ዕላማ እዚ ፕሮጀክት ምዃኑ
ዘማኒ ሓቢራ። ብዘይካዚ፥ እቲ ዘዳልዉዎ ማእለማ ኣብ ብዙሓት ፍርያት ተፈቲኑ ከም ዝሓለፈን፥ ምናልባት ኣብ መጻኢ ኣብ
ምንካይ ረኽሲን ቅልጡፍ ሕውየት ቊስሊን ክውዕል ከም ዝኽእል ዘማኒ ወሲኻ ኣመልኪታ።
እዚ ኣብ 2019 ሽልማት ሳየንስ ዝወሰደ ፕሮጀክት፥ ዝያዳ ምርምር ብምግባር ስርሓቱ ንኸስፍሕ ምወላ ይጽበ ምህላዉ ሬድዮ
ሽወደን ን ዘማኒ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com