Friday , April 19 2024

ተሪ ሄንሪ ናብ ክለብ ሞናኮ የምርሕ

ክለብ ሞናኮ ተዓዋቲት ሊግ 1 ፈረንሳ 2017 ንፍርቂ ፍጻሜ ውድድር ቻምፒዮን ሊግ ዝበጽሔትን ጋንታ ዝነበረት ዓባይ ክለብ ኮይና፣ ኣብዚ ውድድር ወቕቲ ግን ብቕዓታ ብምውርራዱን ካብ 9 ጸወታታት 6 ነጥቢ ብምምዝጋብ ን ክልተ ክለባት ቀዲማ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ሰሌዳ ተቐሚጣ ትርከብ።

እዚ ድማ ኣኻይድቲ እንታ ጋንታ ክጻወርዎ ብዘይምኽኣሎም ን ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ሊዮናርዶ ጃርዲም ብምብራር ምስ ፍርያት እዛ ጋንታ ዝኾነን ኣብ ክለብ ኣርሰናል ዝደመቀን ወዲ 41 ዓመት ተሪ ሄንሪ ኣብ ዝርርብ ይርከቡ።

ኣሰልጣኒ ሊዮናርዶ ጃርዲም ኣብ ምፍራይ ቡሉጻት ተጻወቲ ኣብ ምፍራይ ኣብ እዛ ጋንታ ልዑል ኣብረክቶ ዝነበሮን ኮይኑ። ክለብ ሞናኮ ንከዋኽብቲ ተጻወቲ ኪልያን ምባፐ(ፒኤስጂ)፣ ቶማስ ሌማር( ኣትለቲኮ ማድሪድ) ከምእውን ተጻወት ኢንግሊዛዊት ማንቸስተር ሲቲ ዝኾኑ በርናንዶ ሲልቫን በንጃሚን መንዲን ዘፍርየት ኮይና  ከም ፈረንሳዊ  ፈቂር ነቪል ዝኣመስሉ ብዕድመ ዝነእሱ  ብሉጻት ተጻወቲ ዝሓቆፈት እያ።

ኣብዚ እዋን ተሪ ሄንሪ  ንሃገራዊት ጋንታ በልጂም ከም ተሓጋጋዛይ ኣሰልጣኒ ብሙኻን ኣብ ምእላይ ዝርከብ ኮይኑ ካብ ኢንግዛዊት ጋንታ ኣስቶንቪላ ናይ ምስልጣን ጠለብ እካ እንተመጾ ንሱ ግና ን ክለብ ሞናኮ መሪጺ ኣብ ዝርርብ ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com