Thursday , April 25 2024

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ…… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……………………….ካልኣይ ክፋል

“የሕዋት’ከ ኣይነበርኹን ድዮም?” ክሳብ ሕጂ የሕዋታ ዘይምጥቓሳ እናገረመኒ ተወከስክዋ።

“ነቲ እዋን ክዝክር ከለኹ፣ ኩሉ እንድዩ ፋሕ ፋሕ ዝብልኒ እናኺነ። ሰብ ኣብ ገዝኡ እንተዘይቐሲኑ፣ ነገራት ፋሕ ፋሕ’ዩ ዝብሎ፣ ነቲ ናይ ሽዑ ፍጻሜ ስለ ዝዘከርኩ እምበር ካልእ ኣይኮነነ። ሽዑ ዝጀመረ መሪር ዕድል’ዩ ካብ ሕጂ ምሳይ ዝሳለ ዘሎ። ፍቕሪ ገዛ ወሳኒ’ዩ በጃኻ። ብዝኾነ ንዓይ ሓዊስካ ሰለስተ ኣሕዋት ኢና ነይርና። እታ ቦኽሪ ገዛና፣ ሓዳር ገይራ ኣብ ዓዲ ቐይሕ’ያ ትቕመጥ ነይራ፣ ምዕባይ ሓወይ ዳርጋ ዘይተፈጥረ’ዩ ዝብሃል፣ ኣብ ባእስን መስተን’ዩ ዘሕልፎ ነይሩ። ሓንሳብ ኣብ ገዛና ይሓድር ሓንሳብ ኣብ ደገ ይሓድር፣ ዳርጋ ዘይነበረ’ዩ!” ምዕባይ ሓዋ ኣብ ምፍታሕ ጸገም ገዝኣ ተራ ከም ዘይነበሮ፣ ብተዘዋዋሪ ሓበረትኒ።

“ቀጽሊ በሊ?” ካብ ራህዋ ናብ ጸገም እናሰገረ ክምስጠኒ ዝጀመረ ዛንትኣ ክትቕጽለለይ ድልየት ኣሕደርኩ።

“በቓ! ስድራ ብዝጠቕምን ዘይጠቕምን ክትብኣስ ብምጅማራ፣ ንኣቦይን ማማን ንምዕራቕ ዝተወስደ ተበግሶ ክሰልጥ ስለ ዘይክኣለ ፍትሕ ስዒቡ፣ ማሙቕ ዝነበረት ስድራ ክትበታተን ከላ፣ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝኽረይ ዘይሃሰሰ ተዘክሮ’ዩ። ኣታ ወዲ ከክፍኡስ ኣይርሳዕን’ዩ ድማ፣ ሓቀይ እንድየ?” ንዛንትኣ ኣሞንግያ ሕቶ ወርወረትለይ።

“እንድዒ!” ሃንደበት ስለ ዝኾነኒ ክምልሰላ ተጸገምኩ።

“ኣነስ በል ክሳብ ሕጂ ዝርስዖ ኣይኮንኩን… ብዝኾነ ድሕሪ ምፍልላይ ወለደይ፣ ኣነ ምስ ኣደይ እናተቐመጥኩ ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ሰለይ እናበልኩ ተማሂረ…”

“መንፍዓትኪ’ኸ ቐጺልክዮ’ዶ?” ትምህርቲ ቕድሚ ፍትሕን ድሕሪ ፍትሕን ወለዲ ከመይ ከም ዝቐጸለቶ ክፈልጥ ደለኹ።

“ክገርመካ ንኣቦይ ክፈትዎ ምዓት’የ ነይረ፣ ቕድሚ ፍትሕ መዓልታዊ ይረኽቦ ግዲ ነይረ፣ ምስ ማማ ምስ ተፈላለዩ ናፍቖትን በርቲዑኒ ፍቕሪ ድማ ጎዲሉኒ። በዚ ምኽንያት ዋላ’ኳ ኣደይ ኩሉ ተማልኣለይ እንተነበረት ኣብ ትምህርተይ ግና ብሩኡ ከንቖልቁል ጀሚረ፣ እዚ ክብለካ ከለኹ ግና ዘኽፍእ ሕምቐት ኣይነበረንን፣ ማእከለይቲ’የ ነይረ። እቲ ዝኸፍአ ድሕሪ ፍትሕ ወለደይ ኣብ ካልእይ ዓመቱ ምኻኑ’ዩ፣ ሻድሻይ ክፍሊ እናተማሃርኩ ከለኹ’ዩ… ኣታ ወዲ ሓንሳብ እቲ ሽግር እንተመጺካ፣ እግሪ እግርኻ’ዩ ዝስዕብ። ክሳብ’ዚ ምተጻወርክዎ ድሕሪ’ዚ ግና ምጻሩ ስኢነ መኣዝነይ ከም ዝስሕት’ዩ ገይሩኒ። እቲ ዛንታይ ዝበልኩኻ ድማ ካብዚ’ዩ ዝጅምር ዝተደራረበ ጸገም፣ ምጻሩ ስኢነ ቐልባዕባዕ ዝበልክሉ ጸገመይ፣ ዘይፍታሕ ዝመስል በዳሂ ፈተነ ህይወተይ፣ እዋይ ጓል ትረኽቦ…” ንብዓታ ምቑጽጻር ስኢና ሃንደበት ፈርሽሓቶ።

                                                                                                    

“ከመይ ዝበለ ጸገም ድዩ ገጢሙኪ?” ዘጋጠማ ብድሆ ክትነግረኒ፣ ዓይኒ ዓይና እናጠመትኩ መልሳ ተጸበኹ። ንሳ ብወገና ንትጽቢተይ ግብረ መልሲ ንምሃብ፣ ኣትያቶ ካብ ዝነበረት ዝኽሪ ተመሊሳ ኣድህብኣ ናባይ ገበረት።

“ከም’ቲ ዝበልኩኻ ወለደይ ምስ ተፈላለዩ፣ ምስ ማማ’የ ዝቕመጥ ነይረ። ክገርመካ ማማ ናይ ብሓቂ ብሕንቓቐ’ያ ትኣልየኒ ነይራ። እቲ ሓደ ሓውና ከም’ቲ ኣቐዲመ ዘዕለልኩኻ፣ ቐይዲ ኣልቦ ስለ ዝነበረ፣ ሓላፍነት ናተይ ንሳ’ያ ተሰኪማቶ። ምስ ኣቦይ ክፋትሑ ከለዉ ዝወሰደቶ ገንዘብን ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት እናሰርሐትን ደስ ዝብል ናብዮት’ያ ትገብረለይ ነይራ። ብሓጺሩ ንስለይ ክትብል ከም ሕሱም’ያ ከርቲታ። ኣብ ከም’ዚ ኣጋጣሚ’ዩ ድማ ሓደጋ ዝገጠመኒ። ተማሃሪት ሻድሻይ ክፍሊ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፣ ጓል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት’የ ነይረ። ማማ ደጋጊሙ ዝመላለሳ ዝነበረ ሕማም ደጊስዋ፣ ከባቢ ክልተ ወርሒ ዓራት ድሕሪ ምሓዛ፣ ጌና ፍቕራ ከይጸገብክዎ ዓሪፋ… ዝፈትዋ ኣደይ ጥራይ ዝይኮነተስ ዝፈትዋ ምሓዛይ’ያ ነይራ። እዋይ ሽዑ ዝኾንኩዎ…” ብኽልተ የእዳዋ ርእሳ ብምሓዝ፣ ከም ሓዘንተኛ የማነ ጸጋም እንቐሳቐሰተን። ካብ ትገብሮ ዝነበረት ምንቕስቓስ፣ ሞት ኣዲኣ ማዕረ ክንደይ በሰላ ከም ዝገደፈላ ክርዳእ ክኣልኩ።

“ዓለም ከምኡ’ያ፣ ጽቡቕ እናሓሰብካ መሰናኽል ይገጥመካ። ጸገም ድማ መናብርቲ ደቒ ሰባት’ዩ፣” ከርግኣ ፈተንኩ።

“እንታይ ድኣ፣ ንሱ’ዩ!” ኣስተማሰለት። “ክቕጽለልካ በል፣ ማማ ምስ ዓረፈት፣ ዓለም ከም ኣፍ ዑንቒ’ያ ጸቢባትኒ፣ በቓ ንእሽተይ ክንሰይ ዓቕለይ ጸቢቡኒ፣ ኩሉ ነገር ሕርብት ኢሉ ንዓቕለይ ተፈታቲንዎ። ናብ ዘብሎ ጠፊኡኒ ነዛ ምፍጣረይ’የ ጸሊአ። ግና ዘይልመድ የለን፣ ምስ ግዜ ብኸፊል ክርስዖን ክለምዶን ጀሚረ።”

“በይንኺ ትነብሪ ነይርኪ ማለት ድዩ?” ‘ክለምዶ ጀሚረ ምባላ’ ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ከመይ ከም ዝሰገረቶ ክትነግረኒ ብሃግኩ።  

“ኖው! ቤተ ሰበይ ተረዳዲኦ ምስ ኣቦይ ከም ዝቕመጥ’ዮም ገይሮሙኒ። ኣታ ወዲ! ፍትሕ ማዕረ ክንደይ ሃሳዪ ምኻኑ ሽዑ’ዩ ዝያዳ በሪሁለይ። ኣቦይ ድሕሪ ምስ ማማ ምፍትሑ በቓ ኣብ ቤት መስተ’ዩ መውዓሊኡን መሕደሪኡን ኮይኒ ጸኒሑኒ። መሰ’ቦይ ምቕማጥ ካብ ዝጅምር ህይወተይ ኣክንዲ ዝምቕር እናብኣሰ’ዩ ከይዱ፣ ዘጽልኣካ ህይወት፣” ኢዳ ነጺጋ ምስ ሕሉፍ ዛንትኣ ተጣርዐት።

“ኣይተራዳዳእኩም ማለት ድዩ?” ምስ ወላዲኣ ዘጋጠማ እንተነገረትኒ ብማለት፣  ንሓውሲ ሕቶ ከተብርሃለይ ደለኹ።

“ዘይምርድዳእ’ሞ ኣብ ሞንጎ ክልቴኻ ዝፍጠር ጸገም እንድዩ፣ ናይ ኣቦይ ግና በልጻሩ’ዩ፣ ተገዳስነት ዝብሃል ኣብ ልዕለይ የብሉን። ንትምህርቲ ዘድልየኒ ነገራት ኣይቕርበለይ፣ ብኣይ ኣይግደስ፣ ሓንሳብ ቐረብ ሒዙለይ ይመጽእ፣ በንጻሩ ዝበዝሐ ግዜ ዳርጋ ከይተመሳሕኩ ዝውዐለሉ እዋን ነይሩ። ብሓጺሩ ሓደ ሰብ ሓንሳብ ነብሱ እንተባላሽዩ ንኽዕረ እዋን ከም ዘደልዮ ኣቦይ ምሂሩኒ’ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ትምህርተይ ብሩኡይ ከንቖልቑል ጀሚረ። በቓ ከምዚ ትኣምራት’ዩ፣ ድሕሪት ተረፈ። ተስፋይ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናንቖልቖለ ብምኻዱ፣ ከይፈተኹ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ምስ ሙሉእ ረስነይ ከለኹ፣ ከቓርጽ ተገዲደ፣” ተስፋ ዝነበሮ ናይ ትምህርቲ መጻኢኣ፣ ብሰንኪ ዘይተገዳስነት ወላዲኣ ከም ዘቓረጸቶ ክትገልጸለይ ከላ፣ ኣብ ህይወታ ማዕረ ክንደይ ከም ዝትሃሰየት፣ ካብ ኣዘራርብኣ በርሃለይ።

“እሞ ምቑራጽኪ ከመይ ተቐቢልክዮ? ማለትይ ካብ ትፈትዎ ዝነበርካ ክትፍለ…” ጌና ሕቶይ ከይወዳእኩ፣ ናይ ተረዲአካ ምልክት ስለ ዝገበረትለይ፣ ሕቶይ ኣንጥልጢለ ገደፍክዋ።

“ከቢድ’ዩ! ካብ ትምህርቲ ምፍላይ እሞ ኽኣ ኣብ’ቲ ርሱን ድልየት ዘሕደርኩሉ ምንባሩ፣ ከም ሕሱም ትሃስየ’የ፣ ግና ኣማራጺ ኣይነበረንን። ሕማቕ እናተሰምዓኒ’የ ገዲፈዮ…” ርእሳ እናነቕነቐት፣ ዝን በለት።

“ድሕሪኡ’ኸ?” ዝንትኣ ተርባዕክዎ።

“ኣብ ገዛ ምውዓል ዓቕለይ ስለ ዘጽበበለይ፣ ኣብ’ቲ ከባቢና ካብ ዝፈሪ ዝነበረ ፍረታት እናምጻኹ ክሸይጥ ጀሚረ። ዓለም ከምኡ’ያ ናትና ፍረታት ነፍሪ ከም ዘይነበርና፣ ድሓር ግና ካብ ሰብ እናምጻኹ ክሽቕጥ ጀሚረ። እዚ’ውን ክኣሊኡ’ዩ ዝኽእሎ። ምኽኣል ስኢነዮ ዕንይንይ ኣብዚሐ። ኣታ ወዲ ዘይለመድካዮ ሽግር’ዩ፣ ግዲ ዘምጹለይ ጥራይ ዝበልዕ ነይረ፣ ብዘይ ድልየተይ ናብ ስራሕ ዓለም ምስ ኣተኹ፣ ምኽኣሉን ምቕባሉን ስኢነ ብዙሕ’የ ተጸጊመ። ሓንሳብ ገንዘብ ይጠፍኣኒ፣ ሓንሳብ ይበላሸወኒ… ኣብ መወዳእታ ገዲፈዮ። ኣብ ገዛ ኮፍ ኢልካ ምጽባይ ጥራይ። ባቓ ምጽባይ!” ኣማረረት።

“ኣይተረድኣንን?” ከተብርሃለይ ደለኹ።

“ዓቕለይ ጸቢቡኒ፣ ዝመጸ ክመጽእ ኣምላኻይ ኣሚነ ኣብ ገዛ ኮፍ ክብል መሪጸ። እንተረኺበ ነዛ ምንባር ይበልዕ ይሰቲ፣ እንተዘይረኺበ ስቕታ ይመርጽ፣” ቐስ እናበለ ዝጀመረ ጸገማ፣ ካብ ቑጽጽራ ወጻኢ ይኸይድ ምንባሩ በርሃለይ።

“ባባኺ’ኸ ገለ ኣይትዓረየን?”

“ሓንሳብ ንፋስ እንተኣቲካ ጸገም’ዩ፣ ቐስ ብቐስ ዝኣተዎ ወልፊ መስተ ኣብ ግዝኣቱ ኣትዩ ኣመዛዚኑ ከም ዘይሓስብ ስለ ዝገበሮ ክዕረ ኣይክኣለን። በቓ ንሱ ናቱ መንገዲ፣ ኣነ ድማ ተስፋ ሒዘ ናብ ዘብሎ ጨኒቑኒ። ኣብ መወዳእታ ግና ደንጉያ ኩነታተይ ዝፈለጠት፣ ኣብ ዓዲ ቐይሕ እትቕመጥ ሓፍተይ ክትወስደኒ መጺኣ…”

“ጓል ክንደይ ዓመት ነይርኪ?” ንዕላላ ኣቓሪጸ፣ በጺሓቶ ዝነበረት ዕድመ ሓተትክዋ።

“ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ይገብር ይኸውን’የ። ክገርመካ ከምዚ ሕጂ ኣይትርኣየኒ እዚ ሕጂ ትርእዮ ዘለኻ ግጅፈይ ካብ ቐደም ዝነበረ’ዩ። ሕጽሪ ገዲፍካ ጉልበት ስለ ዘለኒ ኣብ’ዚ ዕድመ ማራ’የ ጎቢዘ ነይረ…” ውሒጥዋ ካብ ዝነበረ ትካዘ ተገላጊላ፣ ሃሳስ ፍሽኽታ መጠወትለይ። ናይ ቐደም መልክዓ ዘኪራ ትሕበን ምንባራ ክበርሃለይ ኣይተጸገምኩን። እቲ ጌና ወዙ ዘየጥፍኣ ገጻ፣ ምስ ቐይሕ ሕብሩ ተዋሃሂዱ፣ ከምዚ ምረት ዘሕለፈት ምኻና ኣይምስክረላን። ባዕላ ዝገለጸቶ ናይ ቐደም ርጉዳ ግና፣ ኣብ’ታ ዝነበርናዮ ህሞት ኣስተባሂለ፣ ኣመና ረጋድ ምኻና ከረጋግጽ ደቒቕ ኣይወሰዱን።

 ተዝንትወለይ ዝነበረት ዛንታ ጽባቄኣ፣ ሓቕነቱ ንምርግጋጽ ቐው ኢልካ ምዕዛባ ጥራይ’ዩ ነይሩ እቲ መልሲ። ጠሚተያ ጠሚታትኒ፣ ‘ኣብ ሎሚ ከም’ዚ ኢላ ዝጸበቐት፣ ቀደም’ከ ከመይ ነይራ ማለት’ዩ?’ ንነብሰይ ሓቲተ፣ መልሲ ከይረኸብኩላ፣ ኣብ ሞንጎ ኮለፈትኒ…

ይቅጽል. . .


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com