Saturday , April 20 2024

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ…… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……………………….ሳልሳይ ክፋል

“ጌና ዕላለይ ኣይወዳእኩን፣ ክሳብ መዛዘሚ እንተሰሚዕካኒ፣ ናይ ብሓቒ ከም’ዚ ድያ ኣሕሊፋ ከም ትብል ርግጸኛ’የ። ቐው ኢልካ ክትጥምተኒ ጸኒሕካ፣ ከም ግምተይ ሕሉፍ መልክዐይ ኢኻ ከተዋዳድር ጸኒሕካ። ብዓልቲ ተስፋ ስለ ዝኾንኩ እምበር፣ ሽግር ንወዲ ሰብ ይድዉኖ እንተዝነብር፣ ኣነ ቐዳሜቲ ናቱ ግዳይ ምኸንኩ። ክገርመካ ጸገም ካብ ንእስነተይ ግዲ ምሳይ ዓብዩ፣ ይጸሮ’የ… እቲ ዝኸፍኣ ጸገም ድሒሩ’ዩ መጺኒ፣ ክቅጽል’ዶ?” ግዲ ፈዚዘ ርእያትኒ፣ ብሕቶ ከም ዝበራበር ገበረትኒ።

“ሓራይ!” ርእሰይ ላዕልን ታሕትን ብምንቕስቓስ፣ ክትቕጽል ኣተባባዕክዋ።

“ከም’ቲ ዝበልኩኻ፣ ሓፍተይ ዋላ’ኳ ብዓልቲ ሓዳር ትኹን፣ ምስኣ ክቕመጥ’ያ ናብ ዓዲ ቐይሕ ሒዛትኒ መጺኣ። ኣብ’ቲ ፈለማ’ኳ ቀጨውጨው ኢሉኒ እንተነበረ፣ ምስ ግዜስ ክለምዶን፣ ክሕንቕቕን’የ ጀሚረ። ናይ ብሓቒ ደስ ዝብል ኣነባብራ’ዮም ዘንቡርኒ ነይሮም። ክገርመካ ሓፍተይ ዕድለኛ’ያ ናይ ብሓቒ ፈቓር ዝኾነ ብዓል ቤት’ዩ ዘለዋ። ዋላ ንሱ ከኽብረኒ ማዓት’ዩ። ሃጢሙ ዝነበረ ተስፋይ ድማ፣ ሻቡ ተመሊሱ፣ ሓጎሰይ ድማ ብኡ መንጽር በሪኹ። በዚ ተተባቢዐ ድማ ትምህርተይ ክቕጽል ወሲነ። ኣዓሪጸዮ ዝነበርኩ ናይ ሻድሻይ ክፍሊ ትምህርተይ ድማ ጀሚረ። ክገርመካ ትምህርቲ ምስ ሓጎስ ክስነ ከም ዘለዎ ፈሊጠ። ዋላ’ኳ ኣቓሪጸ እንተነበርኩ፣ ቐልጢፈ ናብ መንፍዓተይ ክምለስ ግና ግዜ ኣይወሰደለይን። ስብኣይ ሓፍተይ ሰሪሑ ዝኣቱ ብምንባሩ፣ ንመንፍዓተይ ምስ ርኣየ ልዕሊ ዓቀን’ዩ ዝሕግዘኒ ነይሩ። እዚ ግና ካብ ሓደ ዓ…ዓ..መ..ዓ…” ሕንቕንቕ እናበለት ዝጀመረቶ፣ ምቑርራጽ ዘረባ ምጻሩ ስኢና፣ ንብዓታ ዘረወቶ። ኣብ ዓወት በጺሓ ብምባል ረጊኢ ዝጸንሐ ልበይ በቲ ሃንደበታዊ ለውጢ ሰንበደ። ሓደ ካብ ቁጽጽራ ዝኾነ ከቢድ ብድሆ ከም ዘጋተማ ግና፣ እቲ ከም ማይ ዝውሕዝ ዝነበረ ንብዓታ ህያው ምስክር ነበር። ኮፍ ኢለሉ ካብ ዝነበርኩ ወንበር ብምትንሳእ ድማ ክእብዳ ፈተነ ጀመርኩ።

             *          *    *

 “እንድዒ ወደይ! ነታ እዋን እንክዝክር ነብሰይ ምቑጽጻር’የ ዝስእን። ሶሪ! ንዓኻ’ውን ለኪመካ፣ ኣታ ወዲ ድቦላ’ዩ ገጢሙኒ። ኣነ ህይወተይ ተማሓይሹ ይብል፣ ሰይጣን ድማ ተርኡ ተጻዊቱ… ሓደጋ በቃ ሓደጋ’ዩ ገጢሙኒ…” ድሕሪ ናይ ነዊሕ ደቓይቕ ምጽንናዕ፣ ስና ነኺሳ ንዘጋጠማ ኩነታት ሓቦ ተቐኒታ ከተዘንትወለይ ጀመረት።

“እዋኑ’ኳ ዝርስዖ ኣይኮንኩን፣ ከመይ ገይረ ክርስዖ። ወርሒ የካቲት፣ ሰንበት መዓልቲ ምንባሩ ጽቡቕ ገይረ’የ ዝዝክሮ። ኣብ’ቲ ዝቕመጠሉ ከባቢ፣ ብርክት ዝበለ መርዓ ስለ ዝነበረ፣ ኣብ ሓንቲ ካብ’ቲ ዝካየድ ዝነበረ መርዓ ንምስታፍ ከባቢ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሽት’የ ጓይላ ክርኢ ብምባል ካብ ገዛይ ዝወጻኹ። ክገርመካ ከም’ዚ ኣገጣሚታት እንተዘይኮይኑ፣ ምስ ሓፍተይ ካብ ዝቕመጥ ኣምስየ ገዛይ ዝኣተኹሉ ኣይዝከረንን። ሽዓ መዓልቲ ግና ግዲ ርኸብያ ኢሉኒ፣ እዚ ነበሰይ ግንብንብ እናበለኒ ናብታ መርዓ ክኸይድ ትሃዊኸ’የ ውዒለ፣ በቓ መዓልትኻ እንተይልዎ፣ እታ ትረኽባ ትረኽበካ’ያ፣ ኣነ ድማ ከም’ቲ ዝበልኩኻ በጃካ ስሕት ኢልካ ኣብ ውራይ ምስታፍ፣ ጓይላ ድስ ይብለኒ ስለ ዝነበረ’የ፣ ምሽተ ካብ ገዛይ ተንከስ ኣይብልን ዝነበርኩ። ሽዓ ምሽተ ግና ሓደጋ ረኺበ፣ ክሳብ ሕጂ ዘሳቕየሊ መሪር ሓደጋ…” ነቲ ፍጻሜ ግዲ ዘኪራ ብዝኽሪ ቐደማ ኣንቐጥቐጠት። ብወገነይ ነቲ ግንብንብ ዘበላ እዋን ክፈልጥ ትሃንጠኹ።

“ርግእ’ሞ በሊ!” ብተርእዮ ዝነበረት ምዕልባጥ፣ ውሽጠይ ብድንጋጸ ትሓመሰ።

“ከም’ቲ ዝበልኩኻ’ዩ…” ኣንዊሓ ድሕሪ ምስንፋስ፣ ነብሳ ከተረጋግእ ፈተነት። “እቲ እናመርዓ፣ ናይ እንዳ ወዲ ብምንባሩ፣ ዳርጋ ኣምስዮም’ዮም መርዓዊ መጺኦም፣ ድሕሪ ናይ ድራር እንጉዶት ዝጀመረ ጓይላ፣ ነዊሕ ስለ ዝቐጸለ፣ ከይተፈለጠኒ ከባቢ ፍርቒ ለይቲ’ዩ ኮይኑ። ምቑርን ቡዙሕ ሰብ ዝነበርዎን ስለ ዝኾነ፣ ክንደይ ስዓት ከም ዝገበርኩ’ውን ኣይተፈለጠንን። ሰብ በብሓደ ክጸርር ንስ ጀመረ’የ ብገዛይ ተበጊሰ። ቐንዲ ጽርግያ ወዲአ፣ ናብ ናይ ሓመድ ጽርግያ ምስ ሰገርኩ ግና፣ ‘ንዒስከ!’ ዝብል ዘባህር ድምጺ ወዲ ተባዕታይ ሰሚዐ ደጋጊመ ቐባሕባሕ ድሕሪ ምባል፣ ሓደ ወዲ ናባይ ገጹ ክመጽእ ትዓዚበ…”

“መን ድኣ ኮይኑ?” ንዘረብኣ ኮሊፈ፣ መንነት ናይ’ቲ ለይቲ ምድሪ ዝጽውዕእ ዘሎ ክፈልጥ ድለኹ።

“ዕድለይ ዝበላሸወ ሰብ’ዩ ነይሩ! በቓ ርጉም ወዲ!” ስና ነኺሳ ሓንሓነት።

“ርጉም ማለትኪ?” ከተብርሃለይ ተወከስክዋ።

“ከምዚ ዝበልኩኻ፣ ኣብ’ቲ ጸላም ጸኒሑ ምስ ጸውዓኒ፣ መጀመርታ ናባይ ክመጽእ ከሎ ንስ ርኣኽዎ፣ መንነቱ ክፈልጥ’ኳ ትሃንጥየ እንተነበርኩ፣ ናባይ እናቐረበ ምስ መጸ ግና ከለልዮ ኣይክኣልኩ። ኣብ ቕድመይ ተገቲሩ ነዊሕ እዋን ደው ድሕሪ ምባል፣ ብኢደይ ሒዙ ‘ናበይ ትኸዲ ኣለኺ?’ ኢለ ተገቲሩ ሓቲቱኒ። ክዛረብ ከሎ መስተ ስለ ዝጨነወኒ፣ ሰኺሩ ከም ዘሎ ክፈልጥ ግዜ ኣይወሰደለይን።  ‘ንገዛ’የ ዝኸይድ ዘለኹ…’ ጌና መልሰይ ከይወዳእኩ፣ ኣንፈተይ ናብ ገዛና ብምቕናዕ ክብገስ ፈተንኩ። ‘ሓንሳብ’ባ!’ ብኢደይ ከረው ኣቢሉ ብምሓዝ ዘድልዮን ዘየድሎን ዘረባ ተዛሪቡ፣ ምስኡ ክኸይድ ከገድደኒ ብምጅማሩ፣ ዓቕለይ ወዲአ ፈንጺገዮ ክሃድም’ኳ እንተፈተንኩ፣ እግሪ እግረይ ስዒቡ ስለ ዝሓዘኒ፣ ዝረድኣኒ ሰብ እንተረኸብኩ ብምባል የማነ ጸጋም የዕለበጥኩ፣ ሰብ ዝብሃል ግና ክርእይ ኣይክኣልኩ። ኣብ መወዳእታ ኣውያት ከም ዛዋጸኒ ፈሊጠ ሓንሳብ ምስ ኣእወኹ፣ ሓፈይ ብምዕባስ ናብ ባይታ ከም ዝወድቕ ገይሩኒ። ኣታ ወዲ ናይ ሽዑ እዋን…” ብሕርቓ ርእሳ ነቕነቐት።

“ሽዑ’ኸ?” መጻኢኣ ክበርሃለይ ትሃወኽኩ።

“ናብ ባይታ ምስ ሰንደወኒ፣ በቲ ፍርሒ በቲ ኽኣ ብጉልበት በሊጹኒ’ዩ ነይሩ፣ ነዘን የእዳወይ ዓትዒቱ ብምሓዝ ከም ዘይንቐሳቐ ገይሩኒ…”  ግንባራ እናደረዘት በታ ምሸት ክትጣራዕ ጀመረት።

     “ክገርመካ ክሕይል መዓት’ዩ፣ ኣነ ዘለኒ ሓይሊ ኣኻኺበ ካብ ነብሰይ ከርሕቖ’ኳ እንተፈትንኩ፣ ሓይለይን ሓይሉ ክወዳደር ብዘይ ምኽኣሉ፣ ተሰኒፈ ዘፍ ክብል ግዜ ኣይወሰደለይን። ኣነ ደቒሰሉ ካብ ዝነበርኩ ክትንስእ ይሓስብ፣ ንሱ ኣብ ብልዕለይ ተኾይጡ ከምዘይትንስእ ይገብረኒ፣ ኣወያት ብምግባር ካብ ከባብየይ ሓገዝ ክሓትት’ኳ ይፍትን እንተነበርኩ፣ ብቕጽበት ኣፈይ እናሓተመ፣ ግብረ መልሲ ከም ዘይህብ ስለ ዝገበረኒ፣ ዓቕለይ ኣጽቢበ ናይ ዓቕሊ ጽበት ፈንጠርጠር ጥራይ ይብል ብምንባረይ፣ ኣብ መወዳእታ ኢደይ ክህብ’የ ተገዲደ…” የእዳዋ ሓፍ ብምባል፣ ናይ ተሳዒረ ምልክት ገበረትለይ። ገጻ እናጨማደደት ተዘንትወለይ ብምንባራ፣ ማዕረ ክንደይ ከም ዝተበደለት ከንብባ ኣይተጸገምኩን።

“እዋይ ጓል ትረኽቦ!” ተመሲጠ ይሰምዓ ብምንብረይ፣ ኣቓልቦይ ንምስራቕ ዓው ኢላ ኣቓልሐት።

“እንታይ ድኣ ስዓበ?” ኣንፈታ ናበይ ምኻኑ እናፈለጥኩ፣ ዝኽሪ እታ መዓልቲ ክትነግረኒ ደለኹ።

ይቕጽል. . .


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com