Wednesday , April 24 2024

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ…… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም…………….ራብዓይ ክፋል

“በቓ! ክሳብ መወዳእታ ዝገበርክዎ ቕልስ ክሰልጠኒ ስለ ዘይክኣለ፣ ኣብ መወዳእታ ሓይለይ ጸንቂቐ ዘፍ ስለ ዝበልኩ፣ እቲ ገባሪ እከይ ኣብ ልዕሊ ክብረይ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ድልየቱ ፈጺሙ። በቓ ተጋሲሱኒ… እዋይ…” ኣስካሕክሐት።

“ኣታ ወዲ! ዘሕለፍኮ ቓንዛ ኣነ ጥራይ’የ ዝፈልጦ። ኣብ’ቲ መጀመርታ ሓይለይ ወዲአ’ኳ እንተነበርኩ፣ እቲ ቓንዛን ኣብ ልዕለይ ዝፍጸም ዝነበረ ሓይሊ ዝትሓወሶ ዓመጽን ግና፣ ምረቱ ዝጽወር ስለ ዘይኮነ፣ ልበይ ክሳብ ነጢራ ክትወጽእ ትደሊ’ዩ ኣብ ልዕለይ ጋሊቡ። እህህታይ፣ ቓንዛይ፣ ብዓቢኡ ህይወተይ ነቲ ብመስተ ተደፋፊኡ፣ ኣብ ውዑይ ስምዒት ዝነበረ ጎበዝ፣ ኣይንታዩን’ዩ ዝነበረ። ነብሰይ ብደም ትሓጺቡ፣ መሪር ቓንዛ እናስተንፈስኩ፣ ነታ ከም ዕድል ጓል ሄዋን እትቑጸር ክብረ ንጽህናይ ኣብ ጎልጎል እናደፈረ፣ ዝዓጀቦ’ውን ኣይመስልን። መስተ ማዕረ ክንደይ ንደቒ ሰባት ናብ እንስሳ ከም ዝቕይሮም፣ እቲ ወዲ ክሳብ ሕጂ ዘይሃሰሰ ዓቢ ትምህርቲ ምሂሩኒ’ዩ። ሓቒ ክነግረካ ዘይፈተነነነ…ነ…” ዘረብኣ ተቖራሪጹ፣ ምዝራብ ተጸገመት። ዘሕለፈቶ ከቢድ ናይ ህይወት መስገደል፣ ንዓይ’ውን ከም ፊልም ኣብ ዓይነይ ስለ ዝተቐጀለኒ፣ ክሳብ ዝነፍሰላ ብምባል ስቕ ክብል’ኳ እንተፈተንኩ፣ ነቲ መስመሩ ከየስሓተት ተዕልለኒ ዝነበረት ጭካኔ ዝመልኦ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈመ ዓመጽ መዛዘሚኡ ከመይ ከም ዝነበረ ክትሕብረኒ ተወከስኩዋ።

“ኣብ ልዕለይ ዓመጽ ምስ ፈጸመ፣ ከም’ዛ ሓንቲ ዘይገበረ ሰላሕ ኢሉ’ዩ መንገዱ ዝቐጸለ። ኣታ ወዲ ሰብ ሕልንኡ እንተሸይጡ፣ ናይ ሰብ ባህሪ የብሉን። ኣብ’ቲ ቑሪ ዝዓብለሎ ጎደና በይነይ ራሕሪሑኒ፣ በታ ዝመጻ ሃዲሙ። ከመይ ጨካን መስለካ፣ ጨካን!” ተደጊፋትሉ ንዝነበርት ጣውላ ደግደገቶ። ሓይሊ ሓዊሳ ስለ ዝተዛረበት፣ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ግፍዒ ዝፈጸመ ወዲ ከም ስእሊ ኣብ ቕድሚኣ ዘተቐጀላ ኮይኑ ተሰማዓኒ።

“ትፈልጥዮ ዲኺ’ኸ?” መንነት ናይ’ቲ ግዳይ ዝገበራ ወዲ፣ ኣነ’ውን በተዘዋዋሪ ክፈልጦ ደለኹ።

“ኣበይ ክፈልጦ! ቕድሚ ሕጂ ፈጺመ ርእየዮ ከማን ኣይፈልጥን። ክገርመካ ጸላም ብምንባሩ ጽቡቕ ገይረ ከለልዮ ከማን ኣይክኣልኩ። ኣብ ገለ ቤት መስተ ዝምሰየ’ሞ ሰይጣን ዝዓሰሎ’ዩ። ንሱ ኣብታ ዝዓመጸኒ ገዲፉኒ ምስ ከደ፣ ኣይትኣምነንን ትኸውን ንኣስታት ሓደ ወይ’ውን ክልተ ስዓት ኣብ’ታ ዝገደፈኒ ኮይነ፣ እንታይ ከም ዝገብር ጠፊኡኒ ንበይነይ’የ የዕለቢጠ። ኣብ መወዳእታ ግና መጠኑ ዝሓለፎ ስዓታት ምሕላፈይ ክጻወርዎ ዘይክኣሉ ሓፍተይን ብዓል ቤታን፣ በቲ ከባቢ እናሓለፉ ስለ ዝርኣኽዎ፣ ክጽውዖም እንተበልኩ፣ ጎሮረይ ተለኺቱ ወይ’ከ፣ ኩሉ ዝክኣሎ ኣምላኽ ግና ስረሪ ኢሉኒ፣ ረኺቦሙኒ…” ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጉዕዝኣ እትረኽቦ ተስፋ፣ ፍሽኽታ ተንጸባርቕ ብምኻና፣ ንዝረኸበታ ናይ ምንባር ተስፋ ብምዝካር፣ ሕጂ’ውን ፍሽኽታ ኣሰንያ ናብ መንጽርና ኣቓመተት።

“እዋእ!” ምግራመይ ከይተፈለጠኒ ገለጽኩላ። “እንታይ ድኣ ገበሩ?”

“ናብ ሕክምና ክወስዱኒ ከለዉ ዳርጋ ሃለወተይ ይፈልጥ ኣይነበርኩ፣ ነብስይ ናይ ንግሆ ዳርጋ ናተይ ኣይነበረትን፣ ኣጋ ምሸት’የ ኣብ ሕክምና ናይ ሓይሊ ተተኺሉኒ ከም ዘሎ ዝፈለትኩ። ሓፍተይ ኣብ ነብሰይ ብዝጸንሓ ምልክታት፣ እንታይ ከም ዘጋጠመኒ ድሮ ተረዲእዋ’ዩ ጸኒሑ። ሃለዋተይ ምስ ፈለጥኩ ድማ ደጋጊማ ብዛዕባ እቲ እከይ ዝፈጸመ ወዲ’ያ ተቀዳዲማ ሓቲታትኒ፣ እንተኾነ ክፈልጦ ከም ዘይክእል ስለ ዝነገርክዋ፣ ንሳ’ውን ምሳይ ሓቢራ ኣብ ጭንቐት’ያ ተሸሚማ። በስ ዝግበር ነገር ኣይነበረን…”

“ሕጊ’ኸ?” ንዘረብኣ ኮሊፈ፣ ገበነኛ ተታሒዙን ኣይተታሕዘን ከረጋግጽ ብሃግኩ።

“ካብ ሕክምና ምስ ወጻኹ ምስ ሓፍተይ ድሕሪ ዝገበርናዮ ምርድዳእ እቲ ግዳይ ተሰቲሩ ክተርፍ ኢና ኣብ መደምደምታ በጺሕና። ክገርመካ ናብ ሕጊ ዘይምብጻሕና ኣብ ሕጂ ኮይነ ክርእዮ ከለኹ፣ ናይ ብሓቒ ዓቢ ጌጋ ኢና ፈጺምና፣ ምኽንያቱ ኣባይ ዝተፈጸመ በደል ኣብ ካልእ ንኽድገም’የ መንገዲ ጸሪገ። ግና ኣብ እዋኑ ልቦና ስለ ዝሓሰብናዮን፣ ዕድለይ ድማ ከይስበረኒ ስለ ዝፈራሕኩ፣ ስቕ’የ መሪጸ…ዋጋ’ቲ እዋኑ ዝሓለፎ ምምሳይ ግና ረኺበዮ’የ፣” ነታ ዘምሰየትና እዋን ረገመታ።

“ሰብ’ኳ ከምዚ ከጋጥመኒ’ዩ ኢሉ ኣየምስይን’ዩ፣ እንታይ ድኣ ሃንደበት’ዩ ዘጋጥሞ፣” ዘጋጠማ ዓመጽ፣ ምስ ምምሳይ ምትእስሳራ ምኽንያታዊ ዘይምንባሩ ከረድኣ ፈተንኩ።

“ግና! ምምሳይ ኣይኮነን ዝጽላእ፣ እዋኑ እንተሓሊፉ መካይዲ ክትመርጽ ግና ኣለካ፣ ኣነ ነበይነይ ኣብ ጸላም ምስ ምኻነይ ዋጋ ከፊለሉ’የ። ብዝኾነ እቲ ጉዳይ ሰቲርናዮ፣ እቲ ዘይሃስስ በሰላ ግና ካብ የእሙረይ ምህሳስ ኣብዩ፣ እናኽዝክሮ ነብሰ ስጋይ ይቕንጠጥ፣ እቲ ናይ ሽዑ ቓንዛን፣ በደልን ይዝከረኒ…”

“ጓል ክንደይ ዓመት ነይርኪ?” ምስ ዕድሚኣ ብምንጽጻር፣ ዝወረዳ ኣደራዕ ክግመት ወጠንኩ።

“ጓል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት’የ ነይረ። ኣብ’ዚ ዕድመ ምኻኑ’ዩ ዝያዳ ሃሲኒ። መጻእየይ ዝጸልመተ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። በቓ ናብ ዘብሎ’ዩ ጠፊኡኒ፣ እቲ ፍጻሜ እናሓደረ ኣብ ሕልመይ እናመጸ ስለ ዘሸገረኒ፣ ልዕሊ ዓቐን ክጭነቕ ጀሚረ። በቓ! ዋላ’ኳ ሓፍተይን ሰብኣይ ሓፍተይ ኣተባቢዖም ትምህርተይ ክቕጽል እንተደፋፉኡኒ፣ ኣነ ግና ነብሰ ትኣማንነተይ ኣጥፊኣ፣ ኩሉ ነገር ሕርብት’ዩ ኢሉኒ። ዋላ ሓፍተይ ብዘጋጠመኒ ትዛረበለይ ኮይኑ ስለ ዝስማዓኒ፣ ስቕ ኢለ ክፈርሕ ጀሚረ። ነዛ ቤት ትምህርቲ’ውን ምእታዋ ተሸጊረ። ነብሰ ምትሓት ኣጥርየ። ሽዑ ሓደ ሕማቕ ሓሳብ ሓሲበ…” ብሓሳብ እስቖርቖረት።

“እንታይ ሕማቑ ጓለይ?” እናብኣሰ ዝኸይድ ዝነበረ ጸገማ፣ ምስ’ቲ እዋን ዝነበረቶ ዕድመ ብምንጽጻር፣ ማዕረ ክንደይ ከም ዝሃሰያ ተረዳእኩ። ‘ሕማቕ ሓሲበ’ ምባላ ኣብ ጉዕዞኣ ንዝወሰደቶ፣ ዝምዒታኢ ዝኾነ ስጉምቲ፣ ናበይ ከም ዘምርሓ ክፈልጥ ኣማራጺ ዘይነበሮ ዛዕባ ምንባሩ ደምደምኩ።

“መጀመርታ ትምህርተይ ከቓርጽ’የ ወሲነ፣ ነቲ ተስፋ ኣንቢረሉ ዝነበርኩ ትምህርቲ ድማ፣ ኣብ ሻብዓይ ክፍሊ ኣቓሪጸዮ። እዚ ክብለካ ከለኹ ግና ምስ ብርቱዕ ፍቕረይ’የ ኣቓሪጸዮ፣ ሕማቕ እናተሰምዓኒ። ኣብ ዓለም ተስፋኻ እንተሃዲሙ ድሕሪ ሰብ ኢኻ ትተርፍ። ኣነ ድማ ተስፋ ሃዲሙ ጥራይ ዘይኮነ፣ ባይታ’ዩ ዘቢጡ። ገዛ ኮፍ ኢልካ ምውዓል ንጭንቐተይ ጭንቐት ስለ ዝወሰኸሉ። ኣብ መወዳእታ ኩሉ ነገር መዛዘሚ ስኢነሉ፣ ዘፍ ኢለ፣ በቓ ዘፍ!” የእዳዋ ኣጣሚራ ኣስተማሰለት። ብዘይ ዝኾነ ዘረባ ስቕ ኢለ ምስ ርኣየትኒ፣ ንዛንትኣ ዘይከም ዝሓለፈ ባዕላ ቐጸለትለይ።

“ቐስ ብቐስ ዝጀመረ ጭንቐይ ምጻሩ እናስኣንክዎ ስለ ዝኸድኩ፣ ኣብ መወዳእታ ናይ ኣእምሮ ጸገም ስለ ዝገበርኩ፣ እንታይ ይሰርሕን ይዛረብን ይርዳኣኒ ኣይነበረን። እታ ሕሰም ዝርኣኹላ እዋን ድማ እዚኣ’ያ ነይራ። ይገርመ…” ክልተ የዒንታ ብዝዓቆርኦ ንብዓት ብልጭልጭ በላ። ንግዳም’ኳ ክፍርሽሓ እንተደለያ፣ ዓይና ዓሚታ ተጋዲላ ስለ ዝዓቐረተን፣ ኣብ ቕርኒብ ዓይና ነጠብጣት ፈጠራ።

“ጸገም ኢኺ ኣሕሊፍኪ፣” መሪር እዋን ከም ዘሕለፈት ኣነ’ውን በርሃለይ።

“ጸገም ተበሉኻ’ኸ! ጓልን ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዋ፣ ባዕልኻ’ባ ገምቶ?” ተገልቢጣ ንዓይ ብሕቶ ኣዋጠረትኒ።

“ይርዳኣኒ!” ክብደት ናይ’ቲ ብሩህ ምኻኑ ክሰማምዓሉ ፈተንኩ።

“ቐሊል ኣይትሕሰቦ! በቲ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ትዕድልቲ ጸገም ኣሎ፣ ጽርየትካ ዝከናኸነካ ትደሊ፣ በቲ ኣእሙረኻ እንታይ ይሓስብን ይፍጽምን ስለ ዘይትፈልጥ፣ ዝጻወረካ ሰብ ትደሊ። ሰብ ሰብ ዘብሎ’ኳ ስለ ዝሓስብ’ዩ፣ ኣነ ግና ኣይነበርኩን…ክነግረካ ኣይክእልን’የ መሪር እዋን’የ ኣሕሊፈ…” ደጋጊመን ንዝዞረቓ ንብዓታ ንምሕንሳስ ደው በለት።

 “ከገርመካ! እዚ ጸገም ክሳብ ክልተ ዓመት እንድዩ ቐጺሉ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ክልተ ዓመት ዳርጋ ዘይነበርኩ’ዩ። ነዚ ኹሉ ግና ሓፍተይን ብዓል ቤታን ከም ሕሱም ኣልዮሙኒ’ዮም። ንሕክምና እናመላለሱ፣ ሓንሳብ ኣቑሑት ገዛ ይሰብር፣ ሓንሳብ የበላሹ ንኹሉ ጸይረሞ’ዮም። ኣብ መወዳእታ ጥዕናይ ተማሓይሹ፣ ከም ሰብ ክሓስብ ጀሚረ። ሰብ ለዋህ እንተኾይኑ፣ ንነብሱ’ዩ ዝጠቕማ፣ ሰብኣይ ሕእፍተይ ድማ ለዋህ’ዩ፣ ከም ሕሱም’ዩ ኣልይኒ። ጥዕናይ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተማሓየሸ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፣ መታን ከይጭነቕ ዝጎደለኒ እናመልአ፣ ምልእቲ ሰብ’ዩ ገይሩኒ። ባቓ! ሓውየ…” ደቢኑ ዝነበረ ገጻ ብቕጽበት በርሀ። ምስ ነፍሲ ወከፍ ንብዓታ ዝቑንዞ ዝነበረ ልበይ ድማ፣ ምስኣ ረግኣ።

“ቅሳነትኪ’ሞ ከመይ ቐጸለ?” ዝጀመረ ርጉእ ምንባራ፣ ከምኡ እናበለ ክቕጽለላ ተተስፈኹ።

“ምንባር ተስፋ’ዩ፣ ክገርመካ ጻዕሪ ናይ’ቶም ዝኣለዩኒ ዋጋ ክህልዎ ኣለዎ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፣ ምስ ምሉእ ተስፋ’የ ተበጊሰ። ተስፋ ቕሱን ምንባር ምኻኑ ድማ ብቕጽበት’ዩ በሪሁለይ። ተስፋ ሒዘ ክጉዓዝ ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን፣ ኩሉ’ዩ እናተጸርገለይ ከይዱ። ኣብ ገዛ ኮፍ ኢልካ ምውዓል ከሰልችወኒ ስለ ዝጀመረ፣ ኣብ ሓደ ቤት ቑርሲ ስራሕ ጀሚረ። ብርክት ዝበሉ ሰባት ዝእንገዱሉ ቦታ ብምኻኑ፣ ናብትን ናብትን ክብል ብስራሕ ትሕዝቲ ክኸውን ብምጅማረይ። ኩሉ ጸገማተይ ክርስዖ

ጀመርኩ። በቓ! ከምዛ ሽዑ ዝተፈጠርኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ካልኣይ ድማ ምስ ቡዙሓት ሰባት ኢኻ ትላለ፣ ብዙሕ ድማ ትፈልጥ። ምስ ተስፉ ኣብኡ ኢና ተላሊና…”

“መን ተስፉ?” ሓድሽ ስም ክጽዋዕ ምስ ሰማዕኩ፣ ግር በለኒ። ንሳ’ውን ብዓይኒ ሕፍረት ዓይኒ ዓይነይ ካብ ምጥማት ኣቓሪጻ፣ ኣብ ባይታ ኣቓመተት። ካብ ስክፍትኣ ሓደ ነገርን ክግምት ክኣልኩ።

“ተስፉ ደጋጊሙ ኣብ ስራሕና ዝመጽእ ዝነበረ ሰብ’ዩ። ካብ ማራ ምምልላስ ኢና ተላሊና። ትሑት መኽበሪ ሰብ’ዩ። ደጋጊሙ ምሳይ የዕልል ብምንባሩ፣ ዝምድናና ክተርር ግዜ ኣይወሰደን። ምስ ግዜ ደገ እናወጻና ሻሂ ክሰቲ ብምጅማርና ተዋሃሂድና። ኣብ መወዳእታ ንፍቕርን መርዓን ሓቲቱኒ፣ ግና ፈሪሐ፣ እዚ ዘይብሃል ፍርሒ…” የእዳዋ ደጋጊማ ቖራዕራዕ ኣበለተን።

“ዘጋጠመኒ ዓመጽ ኣብ ሽዑ በጺሕ ኣናወጸኒ፣ መቀረት ወዲ ተባዓታይ ብስቕያት ግዲ ዝፈልጦ ኮይነ፣ ኣስካኪሑኒ፣ እዋእ!” ስና ነኺሳ ምረቱ ከም ዘይጽወር ከተርእየኒ ፈተነት።

“እሞ ኣቢኽዮ?” ህውኽ ኢለ ውሳኔኣ ክትነግረኒ ደለኹ።

“ክኸስሮ ኣይደለኹን፣ ዝኽሰር ሰብ ኣይኮነን። ንሓፍተይ ከይደ ምስ ኣረዳእኩዋ፣ ድሕሪ ነዊሕ ዘረባ ኣእሚናትኒ፣ ኣነ’ውን ርዒመ። ኣብ መወዳእታ ንኹሉ ሕሉፍ ዝኽረይ ደምሲሰ፣ ስነይ ነኸሰ ሓራይ ክብሎ ወሲነ። ንዘልኣለም ደሞ ፈሪሐ ክነብር’የ። በቓ ምስ ተስፉ ተረዳዲእና ፍቕሪ ጀሚርናዮ…ወይለይ ረሲዐልካ…” ሓንሳብ ዝን ድሕሪ ምባል። “ሓፍተይ እንታይ መኺራትኒ መስለካ፣ ብዘጋጠመኒ ዓመጽ፣ ሕማቕ ረኺበ ከይከውን ንምስጋእ ናይ ደም መርመራ ቐዲመ ክገብር ኣማኺራትኒ። ዝፈራሕክዎ ክነግረካ እይክእልን’የ፣ ግና ወኒነዮ ዝነበርኩ ተስፋ ኣጆኺ ስለ ዝበለኒ፣ ንኣምላኸይ ሒዘ ደም መርመራ ገይረ፣ ነጻ ጸኒሐ። ዝትሓጎስኩዎ ክነግረካ ኣይክእልን’የ፣ ዳግማይ ዝተፈተርኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ፈጣሪ ብኹሉ ኣይብድለካን’ዩ…” ንሰማይ ኣንቓሪራ ጸሎታ እናብጽሐት ተዛረበት።

“ተመርዒኹም ደሞ?”

“ኣብ መወዳእታ ድኣ ተመርዒና፣ እንታይ’ሞ ዓለም ጸገማ ዝውዳእ ኣይኮነን። ደጊማ በዲላትኒ፣ ዘይጽወር ጸገም መጺኒ። ንዓለም ደጊመ… እ… እ… ድ…ዒ… ኣኣኣይክክኣ…” ሃንደበት ዘረብኣ እናቆረጸት፣ ብንብዓት ተነኽነኸት። እንታይ ኮይና ከይፈለጥኩ፣ ኣነ’ውን ከይተረድኣኒ ንብዓት ኣጽረርኩ።

“ብተስፋ እናተጓዓዝኩ፣ ካብ ቑጽጽረይ ወጻኢ፣ ሕሕሕ…ማቕ…ረኺ…” ዘረባ ንምቕጻል ምኽኣል ስኣነት።

 

 

                        ……ይቕጽል!  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com