Saturday , April 20 2024

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ . . . ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ቀዳማይ ክፋል

  ሸበድበድ እናበልኩ’የ ናብ ቦታ ቖጸራ በጺሐ፣ ዝተቃጸርናሉ ቦታ፣ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ ርሕቕ ዝበለ ብምኻኑ፣ ነታ ንፈለማ እዋን እትረኽበኒ ዝነበረት ጋሻ፣ ከየቐይማን ከይድንጉያን ብምሕሳብ፣ ዳርጋ ናብ ጉያ ዝገማገም ኣሳጉማ ኣኸቲለ’የ፣ ኣብ ቦታ ቖጸራ ደበኽ ዝበልኩ።

 ክንራኸበሉ ዝመረጽናዮ ሰፈር፣ መታን ብሕትው ኢልና ከነዕልል፣ ብጽምዋ ዝትዓብለለ ኣብ ከፋት መአንገዲ ዓማዊ ሳን ሻይን ሆቴል’ዩ፣ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ብምንባሩ፣ ናብ ቦታ ቖጸራ ክበጽሕ ከለኹ፣ ዳርጋ ትኣንገድቲ ዝውሓድዎ፣ ብሕቱው ዝበለ’ዩ ኮይኑ ጸኒሑኒ።

 ዝቖጸረትኒ ጓል ሄዋን ብመንገዲ ሓደ መሳርሕተይ ይረኽባ ብምባረይ፣ ንሳ እምበር ብወገነይ ይፈልጣ ኣይነበርኩን…

“ሰላማት’ዛ ሓብተይ?” ፍሽኽታ ኣሰንያ ናብኣ ክመጽእ ምልክት ምስ ገበረትለይ፣ ብወገነይ ዓጸፌታ ግብረ መልሲ ኣስንየ ተጸንበርኩዋ።

“ኣነ’የ ቕጺረካ፣ ድሮ’ኳ ሰምሃር ከም ዝብሃል ፈሊጥካኒ ኣለኻ፣ ንቖጸራይ ኣኽቢርካ ምምጻእካ ብጣዕሚ’የ ዘመስግነካ፣” ፍሽኽታ ኣሰንያ ህድእ ኢላ ተድምጽ ብምኻና፣ ነቲ ረሲኑ ዝነበረ ኣካለይ ኣረጋግአቶ። ፈለማ ርክብና ብምኻኑ፣ ተመቕሊላ ትዛረበኒ ብምንባራ ፍኹስ በለኒ።

“ፈለማ ሌላና ብምኻኑ፣ ከይድንጉየኪ ብምባል እናተሰከፍኩ’የ መጺኤ፣ ብዝኾነ ከም’ቲ ብተንቓሳቓሲ ቴሌፎን ዝሰማዕክዎ ትርር ዝበሊ ድምጽኺ፣ ከምኡ ኮይንኪ ኣይጸናሕክንን…”

“ማለትካ?” በተን ብሩሃት ጽዓዲት የዒንታ፣ ብስያፍ እናጠመተት ተወከሰትኒ።

“ማለተይ… ኣብቲ ፈለማ ድምጽኺ ክሰምዖ ከለኹ ትርር ዝበልኪ ኢኺ መሲልክኒ፣ ሕጂ ክርእየኪ ከለኹ ግና በንጻሩ፣ ማለተይ ፍሽኽታ ዘይፍለየኪ…” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምንቕስቓሳ ድምቕ ዝበለ ፍሽኽታ ተሰኒ ብምንባራ፣ ንጽባቔኣ ክገልጾ ፈተንኩ።

“ምሳይ ዝዓበየ ባህሪ’ዩ፣ ምሽ ኣለካ… ብዙሕ ሰብ ካብ ዝግረመሉ ባህረይ ስሓቕ ዘይፈሊ ብምኻነይ’ዩ፣ ብሓጺሩ ተፈጥሮ’ዩ…” ጌና ዝጀመረቶ ዘረባ ከይወድአት ስሓቕ ስለ ዝስዓራ፣ ዘረባ ኣቓሪጻ ብፍሽኽታ ተቆጻጸየት።

“ስሓቕ ኣይጽላእን’ዩ…” ኣብ ባህርያታ ዘለኒ ደገፍ ገለጽኩላ።

“እዚ ስሓቐይ ዋላ’ኳ ተፈጥሮ ዝሃበኒ ዕድል ተኾነ ኣብ ሓደ እዋን ግና፣ ስሓቒ ባህርያተይ ሃዲሙ፣ ሓጎስ ዝብሃል ካብ ነብሰይ ካብ ዝጠፍእ እዋን ኣቑጺሩ’ዩ፣ ክልተ ገጻት ዓለም’የ ዝፈለጥ፣ እዚ ናይ ሕጂ ስሓቐይ….” በሪሁ ዝጸንሐ ገጻ፣ መልክዑ ቐየረ። ንፈለማ ግዜይ ይረኽባ ብምንባረይ ተለዋዋጢ ባህርያታ ንምፍላጥ ተጸገምኩ።

“ይቕሬታ ሰምሃር! ሃንደበት’ዶ ተቐይርክኒ?” ኩነታታ ንምፍላጥ ትሃንጥኹ።

“ከመይ ዘይቕየረካ? ሕሉፍ ህይወተይ እናክዝክር፣ ስሓቐይ ኣብ ውሽጠይ’ዩ ዝቕበር። ሓደ ሓቒ ክነግረካ፣ ምሳይ ዝዓበየ ናይ ምስሓቕ ባህር፣ ካብ’ቲ ፈጣሪ ዝሃበኒ ዓቢ ህያብ’ኳ ተኾነ፣ ዝሐለፍክዋ መሪር እዋን ግና፣ ደገይ ብሕጉሱ ውሽጠይ እናተሳቐየ ክድገም ዘይደልዮ መሪር ግዜ’የ ኣሕሊፈ። ንብዓተይ ብውሽጢ’ዩ ነይሩ፣ ንብዓት ውሽጢ ድማ እቲ ዝመረረ’ዩ፣ ክዝክሮ ዘይደሊ ግና ከይፈተኻ ዝግለጽ መሪር ህይወት…” ገጻ ኣደቢና ድምጻ ብምትሓት፣ ናባይ እናጠመተት ፈዘዘት።

“ሰምሃር! ደቒ ሰባት ማዕረ’ቲ ንራህዋ ብሓጎስ ዘስተማቅርዎ፣ ንዝገጥሞም ጸገማት ድማ ከከም ኣመጻጽእኡ እንተሰጊረሞ’ዮም ዕውታት ዝስመዩ ናትኪ ድማ…”

“ናተይ’ሞ መግለጺ የብሉን…” ንዘረባይ ኮሊፋ ቓዘነት።

“ብዝኾነ… ዝሓለፍክዎ መስገደላት ህይወት፣ ኪኖ ውሽጠይ ተንቲነ ምስ ርኣኽዎ ሰብ ክምሃረሉን፣ ወይ’ውን ዋጋ ዓቕሊ ክፈልጠሉን ብምባል’የ ዛንታይ ክነግረካ ረኺበካ ዘለኹ፣ ሓደራ ግና ንኽብረይን ንኽብሪ ካልኦትን ክትብል ሽመይ ዓቕቦ…” ምሕጽንት ሓዊሳ መልሰይ ተጸበየት።

“ንሱ’ሞ ናባይ ግደፍዮ፣ ግና ቁሩብ ኣብ ስምዒት ትኣትዊ ዘለኺ ኮይኑ ይስማዓኒ ኣሎ፣ መጀመርታ ክረኽበኪ ከለኹ ፍኹስ ኢሉኪ ነይሩ፣ ሕጂ ግና ምስትምሳል ኣብዚሕኪ?” ቕድሚ ዕላል ምጅማራ ከህድኣ ፈተንኩ።

“ጸገም የለን ክሃድእ ክፍትን’የ፣ ውሽጠይ ንዝፈተሸ ግና እዚ ዘሕለፍክዎ ዝብድሆ ኣይመስለንን። ኣታ ከመይ ድየ ከርተት ኢለ፣ ነቲ ዘይስገር ክሰግር እንታይ ዘይገበርኩ፣ ወረይ ኣበይ ዘይበጻሕኩ… ዕረ ናይ ዓለም ሕጉስቲ እናመሰልኩ’የ ጎሲመዮ…. በቓ ጎሲመዮ…”  ብሩሃት ዝነበራ ፍሩያት የዒንታ ጨምቲለን፣ ደቐቕቲ ንብዓት ኣዝሮቓ።

“ጌና ከይጀመርና ዝነባዕኪ ድኣ…” ክገንሓ ፈተንኩ።

“ኩሉ እንድዩ ቕጭል እናበለኒ፣ ምሽ እለካ ምኽኣል ይስእን…” ሓይሊ ዘረብኣ ዝሒሉ፣ ድምጻ ኣትሓተት። “ሕንቕልሕንቕሊተይ’ዩ ፍጥረትና በጃኻ… ንስኻ ካልእ ትምድብ ዓለም ድማ ካልእ ዕድል ትስንድወልካ፣ በቃ ኩሉ ፋሕ ይብለካ…” ስና ነኺሳ ስቕ በለት፣ ኣነ ድማ ክሳብ ዝነፍሰላ ብምባል ስቕታ መረጽኩ።

“ሰምሃር ሓፍተይ ምሃሪ ዝበልክኒ ዛንታ ህይወትኪ፣ ብኸምዚ ቓዛኒ ህሞት እንተነጊርክኒ ኣነ’ውን ፋይዳ ኣይረኽበሉን’የ፣ ጸገም መናብርቲ ደቒ ሰባት’ዩ፣ ንስኺ ድማ ንደቒ ሰባት ካብ ዘጋጥሞ ብድሆታት ኣጋጢምኪ ይኸውን፣ ትብዕ ኢልኪ ጥራይ ንገርኒ፣” ትርር ኢለ ክገንሓ ፈተንኩ። ንሳ’ውን ናብ ረስኒ ዝኸደ ኣዘራርባይ ግዲ ኣበራቢርዋ፣ ትብዓት ሓዊሳ ዛንታ’ቲ ኣብ ጉዕዞ ደቒ ሰባት ክድገም ዘይትደልዮ ሕለፍ ህይወታ ከተዘንትወለይ፣ ንብዓታ እናሓንሰሰት ኣንፈታ ምሉእ ብምሉእ  ናባይ ብምግባር  ቑሊሕ ዝበለት…   

      *    *        *

“ኣብ ከባቢ ማይ ዓይኒ’የ ተወሊደ ዓብየ፣ እቲ ከባቢ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ቦታ ዝውንን ብምኻኑ፣ ስድራይ’ውን ዳርጋ ዓመት ምሉእ ዝፈሪ ጀርዲን ኣለዎ። በዚ ምኽንያት፣ ከም ሰብ ካብ ዝሓስብ ጀሚረ፣ ምስ’ቲ ከባቢ ፍሉይ ፍቕርን ናይ ስራሕ ሃዋህን እናጥረቑኹ’የ ካብ ግዜ ህጻነተይ ኣብ’ቲ ቦታ ጎቢዘ። ስድራይ ብትደጋጋሚ ናብ’ቲ ለይትን መዓልትን ዝሰርሕሉ ዝነበሩ ቦታ ሒዘሙኒ ይኸዱ ብምንባሮም፣ ዳርጋ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝተጋማገምክሉ እዋን’የ፣ ኣብ’ቲ ናይ ስራሕ ቦታ ጠልቐፍቐፍ እናበልኩ ናይ ስራሕ ባህሪ ከጥሪ ዝጀመርኩ። ንእሽተይ ከም ምንባረይ መጠን ዝልገሰለይ ዝነበረ ሕንቓቐ ኣብ ሕጂ ኮይነ ክዝክሮ ከለኹ ናይ ብሓቒ ተናፋቕን፣ ዘልኣለም ከምኡ ኢልካ ክትነብር ዘመኒ’ዩ ነይሩ። ምሽ ኣለካ…” ብሓሳብ ዓጢሩ ዝነበረ ገጻ ተፈቲሑ፣ ነቲ ምቑር እዋን ኣብ ሽዑ ኮይና ተስተማቕር ዘላ ክትመስል፣ ገጻ ኣብሪሃ ተቖጻጸየት።

“ዳሕራይ’ከ?” ጀሚራቶ ዝነበረት ዝኽሪ ቁልዕነታ፣ መቐረቱ ከይነከይ ክትቕጽለለይ ደለኹ።

“ክገርመካ ክሳብ ጓል ሸውዓተ ዓመት ዝኸውን፣ ኣብ’ቲ ጀርዲን ናይ ስድራይ ጻውቲ ዝበዝሖ ንኣሽቱ ስርሓት እናሰራሕኩ’ዩ ዘሕልፎ ነይረ፣ ቐያሕን ረጋድን ምንባረይ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበሩ ተቐማጦ ክፈትዉኒ ምዓት’ዮም ነይሮም፣ ዳርጋ ከጻውተኒ ዘይውዕል ሰብ ኣይነበረን። ሰብ ግና ንዘልኣለም ከምኡ ኢሉ ዝነብር ኣይኮነነን፣ ናብ’ቲ ካልእ ዓለም ሰጊረ…” ዕላል ቁልዕነታ ዛዚማ፣ ናብ ካልእ መድረኽ ንምስጋር ኣብ ጠልጠል ገደፈትኒ።

“ናበየናይ ዓለም ሰጊርኪ ማለት’ዩ?” ናብ ቀንዲ ጉዳይ ክትሰግር ትሃንጥየ ብምንባረይ፣ ዛንትኣ ክትቕጽል ደፋእክዋ።

“ናይ ጸወታን ቁልዕነትን እዋን ኣብቒዑ። ናብ ትምህርቲ ዓለም ኣብ መበል ሸሞንተ ዓመተይ’የ ጀሚረ። እዚ’ውን ዝጽላእ እዋን ኣይነበረን፣ ስድራይ ድሓን ኣታዊ ዝነበሮም ብምንባሮ ዋላ ሓንቲ ከይጎደለኒ፣ ምስ ሙሉእ ሞራለይ’የ ዝምሃር ነይረ። ስድራይ ብትምህርቲ ዝሓለፉ’ኳ እንተዘይነበሩ፣ ኣነ ኣብ ትምህርቲ ተዓዊተ ንኽወጽእ  ልዕሊ ካልእ እዋን ዓቐኑ ዝሓለፎ ሞራል’ዮም ዝህቡኒ ነይሮም። በዚ ተተባቢዐን ከም’ውን ኣብ ትምህርቲ ዝነበረኒ ግዳሰ ጽቡቕ ብምንባሩን፣ ብመንፍዓተይ ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ከም ኣብነታዊት ክጥቀስን፣ ኣብ ብልጫ ምውሳድ ክወዳደርን ግዜ ኣይወሰደለይን። ብዘመዝግቦ ዝነበርኩ ኣዕጋቢ ውጽኢት ንስድራይ ከሐጉሶም ጀሚረ። ኣብ ትምህርቲ መወዳድርቲ ኣንተረኺብካ ጸጋ’ዩ፣ ሓያላት መወዳድርቲ ተማሃሮ ምሳይ ስለ ዝነበሩ፣ ከይቕዱሙኒ እናበልኩ ዝያዳ ክጽዕር ምስ ጀመርኩ’ሞ ዝያዳ’የ ነፊዐ። እንተኾነ እዚ ኹሉ ክሳብ ራብዓይ ክፍል’ዩ ዝነበረ። ኣብ’ዛ ክፍሊ ምስ በጻሕኩ ግና ክሓምቕ ጀሚረ…”  ተፈቲሑ ዝጸንሐ ገጻ ክእሰር ግዜ ኣይወሰደሉን። ተዛንያ ከተዕልለኒ ከም ዘይጸንሐት፣ ዘረብኣ ኣቓሪጻ ነተን ተኸፊተን ዝነበራ የዒንታ ኣጨምቲላ፣ ንነዊሕ እዋን ዓሚተተን ስቕ በለት። ንብዓታ ብምዕጋት ትቓለስ ምንባራ በርሃለይ። እቲ ተንካፊ ዝበለቶ ሕሉፍ ታሪኻ እትጅምረለይ ህሞት ከም ዝኣኸለ ድማ ክበርሃለይ ጀመረ። የዒንታ ብዕሙቱ ደቓይቕ ብምቑጻርና ግና፣ ካብ ሓሳብ ከገላግላ ወሰንኩ።

“ሰምሃር!” ዝነበረ ስቕታ ንምስባራ ኣበራበርኩዋ።

“ጥዑም ኣይድገምን’ዩ በጃኻ፣ ደስ ዝብል እዋን ከም ዘይሕለፍኩ፣ መቐረት ራህዋ በኒኑ፣ ሽግራት ሰራውሩ ከስፋሕፍሓለይ ግዜ ኣይወሰደን። መቀረት ቑልዕነት ብጽቡቕ ከም ዘይሕለፍኩ፣ ዓለም ክትገናዘየለይ ጀሚራ፣ በቓ ዕድል ኣይገ… ኣይ..” ንብዓት ስለ ዝስዓራ፣ ምቕጻል ተጸገመት። “ማለት ምሽ ኣለካ… ኣብ’ታ ምውቕቲ ቤትና ሰይጣን ኣቲና፣ ኣታ ወዲ…” ብኽልተ የዒንታ ጸረር ንዝበለ ንብዓት ክትሕንስስ ምንቕስቓስ ኣብዝሐት።

“እንታዩ’ዪ ጸገም?” ሕቶ ሰው ኣቢለ ከርግኣ ፈተንኩ።

“ንእሽተይ ስለ ዝነበርኩ፣ እቲ ጠንቒ እዚ’ዩ ክብሎ’ኳ የሰግረኒ እንተኾነ፣ ኣቦይን ማማን ግና ቐስ እናበለ ዝጀመረ ቆይቂ ናህሩ ወሲኹ ናብ ዲቕ ዝበለ ባእሲ ብምምርሑ፣ ኣብ ገዛና ስላም ሃዲሙ ቕሳነት ተሳእነ። እመነኒ ኣብ ሓዳር ቕሳነት እንተዘየለ ኩሉ’ዩ ዝብተነካ። ኣቦይ ደገ ደገ ምባል ጀሚሩ ፍቕሪ ገዛና ተዘራሪጉ፣ ድሓን ኣታዊ ዝነበሮ ጀርዲና ኣታዊኡ እናንቖልቖለ ዛሕዛሕ ክብል ጀሚሩ። ኣታ ወዲ ሰላም እንተዘየለ በረከት ገዛኻ ነበረ’ዩ ዝኸውን። ኣነ ጽቡቕ ዝለመድኩ፣ ከጋጥመኒ ዝጀመረ ድማ በንጻሩ…” ርእሳ የማነ ጸገም ብምንቕስቓስ ኣስተማሰለት።

ይቅጽል. . .


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com