Wednesday , April 24 2024
Mulugeta Ayene/AP/TT

ተስፋ ቀርኒ ኣፍሪቃ–ሓዳስ ኢትዮጵያ።

ረድዮ ሽወደን konflikt ኣብ ዝብል ኣብ P4 ዝፍኖ መደቡ እዚ ትሕዝቶ ኣስፊሩ ይርከብ ከተንብቡ ንዕድም።

ኣብ ዓባይ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እተኻየደ ሰላማዊ ምቕያር መንግስቲ እንታይ ትፈልጡ?

ምምጻእ ኣቢይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያ ኤርትራን ሶማልን ዘለዎ ትርጉም እንታይ እዩ?

እዚ ኣብ መንጐ ኤረትራን ኢትዮጵያን እተበዝሐ ውዕል ሰላም ንብዙሓት ወተሃደራት ካብ ዘይውዳእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተፋንዮም ናብ ስድሮኦም ክምለሱ ዓበዪ ተስፋ ኣሕዲርሎም ኣሎ።

ኤርትራውያን ሽወደናውያን መራሒ እታ ሃገር ኢሰያስ ኣፈወርቂን እቲ ስርዓቱን ዝብልዎ ብዘየገድስ ናብ ዴሞክራስያዊ ጎደና ክትኣቱ እያ ኤርትራ ኢሎም እምነት ኣሕዲሮም ኣለዉ።

ፍትሓዊ መሓሪ መጻኢት ኤርትራ ዝያዳ ክፍትቲ ኮይና ናይ ንግድን ቱሪዝምን ማእከል ክትከውን ዘለዋ ተስፋ ይገልጽ።

ሜሮን እስቲፋኖስ ኣክቲቪስት ሰብኣዊ መሰላት ኮይና እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ለውጢ ዘሐጒሳ’ኳ እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘሎ ስርዓት ጭቡጥ ለውጢ ከምጽእ’ዩ ኣብ ዝብል ጠርጠራ ከም ዘለዋ ትዛረብ።

ኣብ ሽወደናውያን ሶማላውያን እውን ብዙሕ ትስፉው ኲነታት ክንጸባረቕ ይረአ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ግርጭት ኣብ ሶማል ናይ ውክልና ኲናት ዘካይዱላ ባይታ ስለዝነበረት እዚ ሕጂ መጺኡ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁ ንሶማል ከም ዘርብሓ ይኣምኑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com