Friday , April 26 2024
Peter Byrne/TT

ተኣምር ሊቨርፑላውያን ሕሊሚ ባርሰሎና ኣብኒኑ!!

ሊቨርፑል ናይ 3 ብ 0 ስዕረት ብ 4ብ0 ብምቕልባስ ከምወትሩ ታርኽ ትስርሕ። እዚ ዝኾነሉ ኣብ ናይ ትማሊ 2ይ እግሪ ጸወታ ቻምፕዮን ሊግ ግጥም ርብዒ ፍጻሜ ኣብ ሚዳ ካምፕ ኑ ብሰንኪ መስበርቲ ንወሰንቲ ተጻወታ ፈርሚኖ፣ ሳላሕን ከይታን ዝኸሰረት ሊቨርፑል። ተንተንቲ ኩዑሲ እግሪ መራከቢ ብዙሃን ባርሰሎና ን ፍጻሜ ካምዝሓለፈት ሕጊ ከተማልእ እምበር ብ ሊቨርፑል ዝመጽእ የለን ዝበሉሉ ጸወታ። ልዊስ ስዋሬዝ ከይተረፈ ጎል ተቑጺሬ ኣይጽንብል እየ ዝበሎ ግጥም ታርኽ ተሰኒዱ።

ናብ ሜዳ ዝወረደት ብ ብልሓተኛ ሜሲ ትምራሕ ባርሶሎና ፍጹም ተሳኢና እቶም ከምድልየቶም ዝዕድሩ ዝነበሩ ተጻወቲ ኣብ ሜዳ ኣብ ማይ ዝኣትዉ ኣንጫዋ ኮይኖም። ን ኣእጋር ባርሶላናውያን ዘፍዘዛ ሊቨርፑላውያን ንሜዳ ብምቁጽጻር ኣብ 6 ደቂቅ ካብ ኦረጊ ሸቶ ብምቑጻር ን ዕረፍቲ ዘምረሑ። ንሙሉእ ጸወታ ብምቁጽጻር ኣብ ሙሉእ ጸወታ ካብ 7 ኣብ ዕላምኦም ዝሃረሙ ፈተነታት 4 ሸቶታት ብምምዝጋብ ቀብሪ ሕልሚ ባርሰላውያን ዝቖጸይዎ። ክልተ ጎላት ኦሪጊ ምስ 2 ጎላት ተቀይሩ ዝኣተወ ዋይናልዱም ተደሚረን ንዓለም ተኣምር ኣርእየን። ኣእጋር መሲን ብጾቱን ፈጹም ከምዘየልዋ ብምግባር ንሜዳ ብምዕንዳር ተቖጻጸርዎ። ዓለም ብ ከመይ ባርሰሎና ናብ ፈጻሜ ትበጽሕ ክርእያ ዝኣተዋ የዕንታ ን ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ሓዊሰን ፍጹም ምእማን ሰኣና።

ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጸወታ ከቢድ ድባብ ነይርዎ ብምክንያቱ ምስ ናይ ዓለምና ብልጽቲ ጋንታ ንገጥም ብምንባርና ንክትስዕር ዝኸበድ እይ ነይሩ ግን ሸቶ ከይተመዝገበና ብምስዓርና ንክትኣምኖ ዘሸግር እዩ ኢሉ። ቀጺሉ ድሕሪ ጸወታ ሚልነር ክበኪ ርእየዮ እዚ ንዓና እንታይ ማለት ምኻኑ ርዱእ እዩ። ኣብ ጸወታ ዓወት ማለት እዚ እዩ ንምሉእ ደጋፊ እዛ ጋንታ ምሕጋስ ማለት ብ ተጻወተይ ዝተገብረ።

ኣሰልጣኒ ባርሰሎና ቫልቨርዴ ብወገኑ ብጣዕሚ ዘሕምም እዩ ብፍላይ ንደገፍትና። ኣላን ሸረር ሓልቃ ጋንታ ኢንግሊዝ ነበር ድማ ከምዚ ዓይነት ዝበለ ጸወታ ብሕጂ ደጊመ ዝርእን ዝሰምዕን ኣይ መስለንን ክብል ነቲ ውጺኢት ገሊጽዎ።

ስለዚ ኩዑሶ እግሪ ከምዚ እዩ በሉ ተወዲኡ ክትብሎ ይጅምር ተጀሚሩ ክትውሎ ይውድእ ስለዚ እዩ ክኣ ኣዛናጋዕን ተፈታዊ ዝገብሮ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com