Friday , March 29 2024
Bild: Johan Nilsson/TT

ተዂሲ ኣብ Tensta ስቶክሆልም

ኣብ Tensta ስቶክሆልም ድሕሪ ዘጋጠመ ተዂሲ ሓድ ሰብኣይ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።

“ኣብቲ ቦታ ተዂሲ ብዙሕ ወፍሪ ፖሊስ ጌርና ኣሎና” ትብል ሓላፊት ፖሊስ እቲ ዞና ዝኾነት Sylvia Oldin።

ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ኲነታት ብዙሓት ሰባት ኣብ Tensa ተዂሲ ምስምዕም ድሕሪ ምሕባሮም ሰንበት ኣጋ ፍርቂ ለይቲ እዮም ፈሊጦም።

“ናብቲ ቦታ ምስ በጻሕና ሓደ ህሱይ ሰብ ኣብ መሬት ወዲቑ ጸኒሑና” ትብል Sylvia Oldin።

እቲ ሰብኣይ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ’ሎ፥ ብዛዕባ ማህሰይቱ ግና ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን።

ፖሊስ ኣብዚ ፈተነ ቕትለት ሓደ ኣፈናዊ መርመራ ጀሚሮም ኣለዉ።

ናይ ብዙሓት ሰባት ምስክርነትን ዘድሊ ዳህሳስ ከባቢ ገበንን እኳ እንተካየዱ ዛጊት ዝተታሕዘ ሰብ የለን።

እቲ ተዂሲ ኣብ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ እዩ ተሰሚዑ።

ደ ካብቶም ነበርቲ’ቲ ከባቢ ን ጋዜጣ Expressen ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ቦታ ክሳብ ሰዓት ክልተን ርብዕን ብሰንኪ መርመራ ፖሊስ ዕጹው ምንባሩን መንበሪ ገዝኦም ምእታዉ ከም ዘይከኣሉን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com