Friday , April 19 2024
Drew Angerer/TT

ተወሳኺ ተፈንጃሪ ነገር ናብ ደኒሮን ናብ ጆ ቢደንን ይልኣኽ

ናብቲ ተዋሳኢ ፊልም፡ ሮበርት ደ ኒሮን ናብ ምክትል ፕረሲደንት ነበር ጆ ቢደንን ተወሳኺ ተፈንጃሪ ነገራት ተላኢኹ።

ክሳዕ ሕጂ መን ይልእኮ ከም ዘሎ ኣይተፈልጠን፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ግን ናይ ግብረሽበራ ስራሕ ከም ዝኾነ ትገልጽ።

ፖሊስ ኒዩዮርክ ሓሙስ ንግሆ እዩ ነቲ ናብ ሮበርት ደ ኒሮ እተላእከ ተፈንጃሪ ዝረኸቦ።

እቲ ሮበርት ደ ኒሮ ኪቕበሎ ዝተላእከ ፖስታ ብራጂ ምስ ተመርመረ፡ ተፈንጃሪ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ደ ኒሮ ተቓዋሚ ትራምፕ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

ናይ ኣመሪካ ትካል ፖሊስ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ነቶም ገበነኛታት ንምልልላይን ንምሓዝን ቀጻሊ ይሰርሕ ኣሎ።

ናብቶም ሰብ ኣድራሻ ከይበጽሐ ከሎ ሸሞንተ ተፈንጃሪታት ተረኺቡ ኣሎ። እቲ ተፈንጃሪ ኣብ ፕላስቲክ ተዓሽጉ ኣብ ፖስታ ኣትዩ ኣብ ልዕሊኡ ኣድራሻ ኣለዎ፡ እቲ ተፈንጂሩ ሰብ ዚጎድእ መሳርሒ ድማ ስብርባር ጠራሙዝ እዩ።

ኣቲ ናብ እንዳ ክሊንቶን እተላእከ ፖስጣ ሰሉስ ምሸት ኪተሓዝ ከሎ፡ እቲ ናብ ኦባማ እተላእከ ድማ ሮቡዕ እዩ ተታሒዙ።

ካልእ ተፈንጃሪ እውን ናብቲ መዋሊ ደሞክራስያውያን ዝኾነ ቢልዮነራዊ ጆርጅ ሶሮስን ናብ CNNን ናብ ጆ ቢደንን  ተላኢኹ እዩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com