Friday , March 29 2024

ተገዳስነት + ብልሒ = ዓንዲ ብልጽግና ብበሪሁሉ ብኣማን ሳልሳይ ክፋል

ተገዳስነት

ተገዳስነት ንዝብል ቃል ብመንጽር ብልጽግና ክንርእዮ ከለና ነቲ እንሰርሖ ስራሕ ምፍቃር ማለት እዩ። ምኽንያቱ ብልጽግና ብስራሕ እዩ ዝረጋገጽ። ተገዳስነት እንተሎ ብምሉእ ልብኻ ተወፊኻ ምዕያይን ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ምክያድን ይህሉ። ተገዳስነት፡ ውሽጣዊ ስኒት ስለዝፈጥር ንዘሎ ዓቕምታትካ እንተላይ ተጠቒምካሉ ዘይትፈልጥ ሕቡእ ክእለታትካ’ዩ ዘበራብረልካ።

ብተገዳስነት ምስ እትሰርሕ ኩለንትናኻ በቲ እትሰርሖ ስራሕ ተሰሊቡ ኣብ ፍጹም ተምሳጥ ስለዝዕዘር ምሉእ ስርዓተ ኣካላትካ ብውህደት ይዓዪ። ተገዳስነት፡ ኣእምሮኻን ኣካልካን ኣብቲ እትዓዮ ዘለኻ ዕዮ ተሳንዮም ከም ዝዋስኡ ስለዝገብር ብተገዳስነት እትሰርሖ ስራሕ ውጽኢቱ ይበል ዘብል ይኸውን።

ተገዳስነት፡ ካብ መዓልታዊ ተመኩሮታትካ ከም እትመሃር ይገብረካ፡ ከም ዘይትፈልጥ የፍልጠካ፡ ተቐባልን ብዓል ክፉት ኣእምሮን ይገብረካ፡ ብድሆታት ክትገጥም የኽእለካ፡ ድሩትነትካ ኣወጊድካ እናሻዕ ብሉጽ ንኽትከውን ይሕግዘካ።

ስለዚ ብዛዕባ ተገዳስነት እናሓሰብካ ምስጢር ዓወት እንታይ’ዩ ኢልካ እንተሓቲትካ፡ እቲ መልሲ፡ ምስ ኣተሓሳስባኻን ሃንቀውታኻን ዝሰማማዕ፡ ከምኡ’ውን ዓቕምታትካ ብዝግባእ ተጠቒምካ ክተፍርየሉ እትኽእል ዓይነት ስራሕ ምምራጽ ዝብል ይኸውን።

ብልጽግና ውጽኢት ስራሕ’ዩ ክበሃል እንከሎ እትሰርሖ ስራሕ ብልጽግና ከምጽኣልካ እንተኾይኑ ኣካልካን ኣእምሮኻን ኣወሃሂድካን ተወፊኻን ክትሰርሖ ኣለካ። ከምኡ ንኽትገብር ድማ ነቲ እትሰርሖ ስራሕ ተገዲስካ ክትሰርሖ ይግብኣካ።

ብልሒ

ብልሒ ዝብል ኣምር ክትንተን ኸሎ ኣብ ሓደ ውሁብ ኩነት ንሓደ ነገር ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ኢልካ ክትፈሊ ምኽኣል፡ ካብ ተመኩሮ፣ መጽናዕትን ትዕዝብትን ትምህርቲ ምቕሳም፡ ኣብ ናይ ሎሚ ተመኩሮ ተመርኲስካ ብዛዕባ መጻኢ ርትዓዊ ትንበያ ምግባር የጠቓልል።

ብልሒ ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዝርድእዎ ኣካዳምያዊ ብሉጽነት ኣይኰነን። ባህርያዊ ትዕድልቲ’ውን ኣይኰነን። እንታይ ድኣ! – ዕድላትካን ብድሆታትካን ኰነ ሓያልን ድኹምን ጎድንታትካ ብዝግባእ ኣብ ምልላይ ናይ እትውንኖ ንቕሓት ውጽኢት ድኣ እምበር!!

ብልሒ፡ መዋጥር ኣብ ዘጋጥመካ እዋን ረጊእካ ከም እትሓስብ ይገብረካ። እንታይ ከም ዝሕሸካ፥ ንጸገማትካ ብኸመይ ከም እትፈትሖ፥ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለየ ኩነታት ብኸመይ ክትሰርር ከም እትኽእል፡ ወዘተ ንኽትፈልጥ ዝሕግዘካ ብልሒ እንተድኣ ኣጥሪኻ መገዲ ብልጽግና ሒዝካያ ከም ዘለኻ ተረዳእ።

ይቕጽል


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com