Tuesday , April 23 2024
Frank Augstein//TT

ተፈታውን ማራክን ግጥም ፕሪመርሊግ ብ ዓወት ኣፍሪቃውያን ተዛዚሙ!!

ልቢ ኩሉ ኣፍቓሪ ኩዕሶ እግሪ ስጋብ መዛዘሚ ዘንጠልጠለ ግጥም ፕርመር ሊግ ኢንግሊዝ ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ ተዛዚሙ። ኣብ`ዚ ሎሚ ዝተዛዘመ ግጥም ፕሪመር ሊግ ተሸለምቲ ወርቂ ጫማ ኮይኖም 
ዝዛዘሙ ሰለስተ ኣፍሪቃውያን ማለት ኣቡሞያንግ ካብ ኣርሰናል፣ ሳነን ሳልሕን ድማ ካብ ሊቨርፑል ነፍሲ ወከፎም 22 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኩርዓት ኣፍሪቃ ኮይኖም ደሚቖም።

ኣብ`ዚ ብ ዓብላልነት ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲ ክቕለስ ዝጸንሔ ውድድር ኣብ መዛዘሚ ውድድር ካብ ድሕሪት ተበጊሰ ን ብራይተን 4 ብ 1 ዝሰዓረትሉ ካልእ ኣፍሪቃዊ ኣልጀርያዊ ማህረዝ ኮኸብ ኮይኑ ብምምሳይ ንድምቀት ኣፍሪቃውያን ወሲኽሉ። ኣብ`ዚ መዛዘሚ ሊቨፑል ወላ እኻ ን ክለብ ዎልቭስ 2ብ0 እንተስዓረት 97 ነጥቢ ብምውህላል ብ ሓደ ነጥቢ ካብ ማንሲቲ ድሒራ ን ዋንጫ ፕሪመር ሊግ ብ ማዕዶ ክትሪእያ ተገዲዳ።

ኣብ`ዚ ሎሚ ዝተዛዘመ ውድድር ፕሪመር ሊግ ብሉጽ ተጻዋታይ ቫንዳይክ ካብ ሊቨርፑል፣ ብሉጽ ሓልዊ ልዳት ብራዚላዊ ኣሊሶም ካብ ሊቨርፑል ኮይኖም ክሽለሙ ከለዉ ካልእ ካብ 3ይ ሲጋብ 6ይ ደርጃ ግን ዝመጸ ለውጢ የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com