Tuesday , April 23 2024
Credit: Burhan Ozbilici/AP

ቱርክ ንሕቶ ኣባልነት ፊንላንድ ናብ ኔቶ ከተጽድቕ እያ።

ባይቶ ቱርክ ን ሕቶ ኣባልነት ፊንላንድ ናብ ኔቶ ናይ ምጽዳቕ መስርሕ ክጅምር እዩ ክብል ፕረሲደንት ቱርክ ረሰፕ ጠይብ ዔርዶጋን፡
ዝሓለፈ ዓርቢ ቀትሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። እንተኾነ ግና፡ ንሕቶ ሽወደን ክቕበል ድሉው ከም ዘይኮነ ወሲኹ
ኣመልኪቱ’ሎ። ፊንላንድ ን ኣባልነት ኔቶ ዝኸውን ጭቡጥ ጒምቲታት ወሲዳ እያ እኳ እንተበለ፡ እዚ ምጽዳቕ መኣስ ከም
ዝኸውን ግና ንጹር ግዜ ኣየቐመጠን። እቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ምስ ፕረሲደንት ፊንላንድ ሳውሊ ኒኒስትሮ ብሓባር እዩ ተዋሂቡ።
እንተኾነ ግና ፕረሲደንት ፊንላንድ ሳውሊ ኒኒስትሮ፡ ሽወደንን ፊንላንድ ብሓደ እዋን ናብ ኔቶ ክጽንበራ ድሌት ከም ዘለዎ፡ ፊንላንድ
ናብ ኔቶ ብዘይሽወደን ምጽንባር ከኣ ነቲ መስርሕ ምሉእ ከም ዘይገብሮ ብምጥቃስ ቅረታኡ ገሊጹ’ሎ። ዔርዶጋን ብወገኑ ምስ
ሽወደን ዘሎ ልዝብ ከም ዝቕጽል ሓቢሩ። ሽወደን ጽቡቕ ድሌት ከም ዘለዋ ብንጹር ከም እተዓዘቡ፡ እንተኾነ ግና እቲ መስርሕ
ብኸመይ ይቕጽል ዝውስን ሽወደን ብርግጽ እንታይ ጭቡጣት ወሲዳ ብምርኣይ ጥራይ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ።
እዚ እናኾነ፡ ባይቶ ሃንጋሪ ንሕቶ ኣባልነት ፊንላንድ ናብ ኔቶ ኣመልኪቱ ኣብ ዝመጽእ 27 መጋቢት ከጽድቖ ምዃኑ፥ ናይ ሽወደን
ግና ክናዋሕ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ን ሮይተርስ ብምጥቃስ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com