Saturday , April 20 2024
Foto: TT.

ታሪኻዊ ግጥም ኲዕሶ እግሪ ኢራናውያን ደቀንስትዮ።

ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኢራናውያን ደቀንስትዮ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሃገራዊ ስታድዬም ጤህራን ክጻወታ እየን።

ብመሰረት ኣቦመንበር ፈደሬሽን ኩዕሶ መህዲ ታጅ ጋንታ ኢራናውያን ደቀንስትዮ ኢራን ኣብ 2020 ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ጸወታ ምስ ሩስያ ክትገጥም እያ።

መዓልቲ ጸወታ ዛጊት ኣይተቘጽረን ኣሎ። እንተኾነ ግና ነዚ ጸወታ ክዕዘባ ዝፍቀደለን ደቀንስትዮ ጥራይ ክኾና እየን ክብል ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ጸብጺቡ’ሎ።

ካብ 1979 ድሕሪ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ህይወት ደቀንስትዮ ኢራን ብዙሕ ዝተደረተ እዩ።

ንብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ደቀንስትዮ ኣብ ስታድዮም ኣትየን ግጥም ኲዕሶ እግሪ ክርእያ ከልኲል እዩ ዝነበረ። ድሕሪ 2000 ደቀንስትዮ ዝተመርጹ ግጥማት ኲዕሶ እግሪ ክርእያ ተፈቒዱለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com