Friday , April 19 2024
Carina Johansen/NTB Scanpix /TT

መንእሰያት ሽወደን ፡ ናይ ስድርኦም ባህልን ልምድን ብዘይ ምስዓቦም ዕቱብ ቅየዳ ከም ዘጋጥሞም ይዛረቡ።

ሓደ ካብ ሽዱሽተ ኣፈናዊ መጽናዕቲ ዝተገብረሎም ትሕቲ ዕስራዝዕድሚኦም ኮተቴ ናይ ስድርኦም ባህልን ልምድን ብዘይ ምስዓቦም ዕቱብ ቅየዳ ከም ዘጋጥሞም ይዛረቡ።

ብመሰረት ሓድሽ ዝተዘርግሐ ኣፈናዊ መጽናዕቲ እቲባህሊጭውነትዝበሃል ልምዲ ብፍላይ ህይወት መንእሰያት ሽወደን ብኣሉታ ይጸሉ ምህላዉ ተነጊሉ።

ተመራመርቲ ኦረብሩ ዩኒቨርሲቲ ኣብ 6000 ኮተቴ ስቶክሆልም፥ማልሞን ጉተንበርግን ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ሓደ ካብ ሽዱሽተኮተቴ ስድርኦም ኣገዳሲ ኢሎም ዝኣም ባህልን ልምድን ብዘይምስዓቦም ዕቱብ ቅየዳ ወይ ቍጽጽር ከም ዘጋጥሞም ይገልጹ።

እዚ ቅየዳ ወይ ቍጽጽር፡ ጾታን ከምኡውን ምስ ብዝሐ- ጾታዝህልዎም ርክብ ከጠቓልል ይኽእል እዩ። እቲ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ ኮተቴታት ብፍላይ ድማ ደቂተባዕተዮ ካብቲ ቅድሚ ሕጂዝገጥሞም ዝነበረ ንላዕሊ ተጠቃዕቲ እዮም ኮይኖም ዘለዉ።

ኣብ ማእከላይ ፈጻሚት ቤትጽሕፈት ጉተንበርግ እትሰርሕ ጃነትሰታህል  “ቆልዑን ኮተቴን ኣብቲ ምሰ ጭውነት ዝተኣሳሰር ጎነጽንጭቆናን ንሱ ዘምጽኦ ራዕዲ ዝመልኦ ሃዋሁ ክነብሩ ግቡእኣይኮነን። እኹላት ሰባት ነዚ ሃዋሁው’ዚ ይፈጥሩ ምህላዎም ከኣ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ጽንኩር ይገብሮትብል።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com