Saturday , April 20 2024

ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ንኽፍተሹ፡ ፍቓድ ዝሓትት እማመ ቀሪቡ

ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝነብርሉ ኣባይቲ፡ ብፖሊስ፡ ንኽፍተሽን ኣብኡ ዝተረኽቡ ንብረት ንኽውረሱ ዘኽእል እማመ ብመንግስታዊ መርማሪት፡ ዩኒል ሊንድበሪ፡ ቀሪቡ። ገበናውያን ጉጅለታት፡ ዕድመ ናይዞም ህጻናት መዝሚዘን፡ ብረት ይኹን ዘይሕጋውያን ነገራት ንኸቐምጡ ከገድደኦም ስለዝኽእላ፡ ንውሕስነቶም ተባሂሉ እዚ ሓድሽ እማመ ከምዝቐረበ ገሊጻ።

እዚ ሓድሽ እማመ፡ ናብ መንግስቲ ክለኣኽ እዩ። እንተድኣ ተቐባልነት ረኺቡ ድማ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ተግባር ክውዕል እዩ።

ገበናውያን ጉጅለታት፡ ነዞም ትሕቲ 15 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ኣብ ምብጽጻሕን ምኽዛንን ነቶግትን ኣጽዋርን ይጥቀማሎም ከምዘለዋ ሓበሬታታት ኣሎና ክትብል ሊንድቤሪ ገሊጻ።

መሰላት ትሕቲ ዕድመ ክሕሎ ስለዘለዎ፡ ፖሊስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባይቲ ይኹን ኣካላት ናይዞም ህጻናት ክፍትሽን ንብረቶም ክህግርን መሰል የብሉን።

እዚ ሓድሽ እማመ፡ ንብዙሓት ህጻናት፡ ናብ ግጉይ ዝኾነ ገበናዊ መንገዲ ንኸይእለዩ ክሕግዝ እዩ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com