Tuesday , April 16 2024
(AP Photo/Mark Humphrey)

ትምህርቲ ምዝዋር መኪና፡ ብጸሊም ዝሰርሑ፡ ደው ክብሉ ኣለዎም ተባህሉ

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ትምህርቲ ምዝዋር መኪና፡ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሓደ መምህር፡ ካብቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝስራሓሉ ዘሎ፡ ን15 ተማሃሮ ምስትምሃር ተሪፉ፡ እንተበዝሐ 5 ተማሃሮ ጥራይ ከስተምህር እዩ። ሓደ ተማሃራይ፡ መምርሒ ፍቓድ መኪና B  ንምርካብ ዝመሃረለን መካይን፡ ዋንነተን ናይ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ወይ ወግዓዊ ቤት ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ወይ ድማ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክኸውን እዩ ክብል መንግስቲ ሽወደን ሓጊጉ። እቲ ሕጊ፡ ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ፡ 2021፡ ኣብ ተግባር ክውዕል ምዃኑ፡ መንግስቲ፡ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ዘይሕጋውያን ወይ ድማ ብጸሊም ዝሰርሑ ቤት ትምህርቲ ምዝዋር መኪና፡ ንዘይጥዑይ ውድድር ዝዕድሙን ግቡእ ትምህርቲ ከይሃቡ፡ ገንዘብ ሰብ ዝወስዱን እዮም። ብመሰረቱ፡ እቲ ጉዳይ፡ ጉዳይ ድሕነት እዩ። በዚ መንግስቲ ሓጊግዎ ዘሎ፡ ኣንጻር ዘይሕጋውያን ቤት ትምህርታት፡ ደው ኢልና ምቅላስና ዘርኢ እዩ ክብል ሚኒስተር ትሕተ ቅርጺ፡ ቶማስ አነሮስ፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓቢሩ።

ኣብ ገለ ክፋላት ናይ ሽወደን፡ ብዝሒ ናይ ዘይሕጋውያን ቤት ትምህርታት፡ ልዕሊ ቁጽሪ ናይ ሕጋውያን ቤት ትምህርታት ከምዝኾነ ጸብጻብ በዓል መዚ ቁጠባዊ ገበናት ሽወደን፡ ገሊጹ።

ብመሰረት ማሕበር ኣሰልጠንቲ መጓዓዝያታት ሽወደን፡ ዓመታዊ ኣታዊታት ናይዘን ዘይሕጋውያን ቤት ትምህርታት፡ ክሳብ 1 ቢልዮን ክሮነር ከም ዝበጽሕ፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com