Saturday , April 20 2024
Ethiopian military paraded during a demonstration in support of the Ethiopian army, which has been under pressure for some time by forces from the Tigray region, leading to abuses and harassment of ethnic Tigreans in the country.(AP Photo, File) NAI103

ትግራዎት ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ መደብ፡ ደው ኢሉ

ትግራዎት ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዝነበረ መደብ፡ ንግዝይኡ ደው ኢሉ ከምዘሎ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን ገሊጹ።

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ነዚ ውሳኔ ዝወስድ ዘሎ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራዎት ዝወርድ ዘሎ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላትን ዓመጽን ምርኩስ ብምግባር ምዃኑ ገሊጹ።

ጸጥታዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ሕማቕን ኣሻቓልን ኣንፈቱ ንምልላይ ዘጸግምን እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ እቲ በዓል መዚ ገሊጹ።

ብመሰረት ዝሓለፈ ሰሙን ዝተረኽቡ ሰነዳት፡ ኩነታት ትግራዎት፡ እና ኣንቆልቀለ ይኸይድ ከምዘሎ ናይ ሕጊ ዳይሬክተር፡ ካርል ቤከልዮስ፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ካብቶም ካብ ሽወደን ናብ ኢትዮጵያ ንክምለሱ ዝተነግሩ ኣስታት 400 ኢትዮጵያውያን፡ እቶም ትግራዎት ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ጥራይ፡ ናብ ሃገሮም ኣይክምለሱን እዮም ክብል እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ኣብ ሰነዳቱ፡ ዓሌት ናይ ሓተቲ ዑቕባ ስለዘይሕዝ፡ ንጉዳይ እዞም ትግራዎት ብዝምልከት፡ ምጽራይ ክበግር ምዃኑ፡ ካርል፡ ገሊጹ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com