Thursday , April 25 2024
A convoy of trucks carries United Nations World Food Programme (WFP) food aid (AP Photo/Yousef Al-Ageli)

ትግራይ፡ ቃፍላያት መካይን ረድኤት ተጠቒዐን

ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን፡ ናብ ትግራይ ዘምርሓ ዝነበራ ቃፍላይ ዓበይቲ መካይን፡ ናብቲ ክልል ከይበጽሓ መጥቃዕቲ ከም ዝወረደን ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዚ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ትግራይ ክሳለጥ ዘሎ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ተወሳኺ ሽግራት ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ’ሎ።

10 ረድኤት ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን፡ ኣብ ዶብ ትግራይ ዓፋርን መጥቃዕቲ በጺሕወን ኣሎ ክብል፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ትግራይ ንሽሞንተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት፡ ኣብዚ እዋን ናብ ካልኦት ክልላት ብፍላይ ድማ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ይልሕዂ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ፡ እቲ ኲናት ዘይከምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝበሎ ክውዳእስ ይትረፍ ካብ ትግራይ ወጻኢ ናብ ካልኦት ክልላት ይልሕም ምህላዉ ዘመልክት እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ብመንገዲ ክልል ኣምሓራ ኣቢሎም ናብ ትግራይ ዘምርሑ መንገዲታት ኣዝዮም ሓደገኛታት ብምዃኖም እዚ ናይ ክልል ዓፋር መስመር ዝሓሸ ውሕስነት ዝነበሮ እዩ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ክልል ዓፋር ዝተላብዐ ኲናት ንምምልላስ ሰብኣዊ ሓገዛት ተወሳኺ ሽግር ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

እዚ እናኾነ፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ሓይለን ብምልኣኽ ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ትግራይ ኮይነን ክዋግኣ ቃል ኣትየን ኣለዋ ክብል እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com