Thursday , March 28 2024

ትፈልጡዶ?ብኣማኑኤል ሳህለ

·         ብ1899 ሰልክመን እተባህሉ ፈላሚ ደቀባት ቺሊ ናብ ኤውሮጳ ተወሲዶም ኣብ ዙ ወይ መካነ እንስሳታት ተዳጕኖም ህዝቢ ይርእዮም ከም ዝነበረ ትፈልጡዶ?

·         ብ 1923 ባጤራ ጀርመን ኣዚዩ ብምንቁልቋሉ፡ ገለ ሰባት ነቲ ኣቓርሽ ከም መሸፈኒ መንደቕ ወይ ዎልፐይፐር ይጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ ትፈልጡዶ?

·         ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ዚርከቡ ቋንቋኦም ኮይኑ እንግሊዝ ዝዛረቡ ህዝቢ፡ ኣብ ቻይና ዚርከቡ ብትምህርቲ ዝኸኣሉዎ እንግሊዝ ዝዛረቡ ህዝቢ ከም ዚበዝሑ ትፈልጡዶ?

·         ሓርማዝ እታ ክትዘልል ዘይትኽእል እንኮ እንስሳ ከም ዝኾነት ትፈልጡዶ?

·         እታ ንላም ብመሰረት ቅዋምን ባይቶን መሰላ እትሕልወላ እንኮ ሃገር፡ ህንዲ ምዃና ትፈልጡዶ?

·         እቲ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ዝውቱር ስም፡ መሓመድ ምዃኑ ትፈልጡዶ?

·         ኣብ እዋን እቲ ንኣመሪካን ሩስያን ኣፋጢጡወን ዝነበረ ዝሑል ኵናት፡ እተን ብሶቭየት ራሻ ብኣቶሚክ ቦምብ ኪድብደባ ካብ እተወሰነለን ከተማታት ሓንቲ ኣስመራ ከም ዝነበረት ትፈልጡዶ? (ብምኽንያት ቃኘው ስተሽን መዓስከር ስለያ ኣመሪካ) 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com