Thursday , April 18 2024

ትፈልጡዶ?

ኣብ ከባቢ 1930ታት እቲ ኣብ ኣስመራ ዚሽየጥ ዝነበረ ናይ ሚነራል ማይ ወይ ኣኳ ሚነራለ ኣብቲ ጥርሙዝ ብቛንቋ ጥልያን ከምዚ ዚስዕብ (label) ተለጢፉዎ ነይሩ።

Fortemente Radioattiva ትርጉሙ፥ ኣዚዩ ናይ ኑክለሳዊ ጸርጊ ትሕዝቶ ኣለዎ ማለት እዩ። እቲ ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ንጥዕና ዚከታተል ዶቶር ጋስፓሪኒ፡ ነቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝውቱር ዝነበረ ግን ግጉይ ርእይቶ እዩ ሒዙ ዝጎዓዝ ዝነበረ።

ኣብቲ እዋንቲ፡ ኣብ ኤውሮጳ ራዲዯክቲቪቲ ከም ጸበል ተቖጺሩ ብዙሓት ጥዕና ዘይብሎም ሰባት ይጽለዉዎ ነይሮም። ግን ዘይፈለጡዎ ነገር እንተ ነበረ እቲ ጸርጊ ቀታሊ ምንባሩ እዩ። ስለዚ ብዙሓት እዮም ጸበሎም ተጸልዮም ናብ ዓዲ እግዚሄሮም ዝጎዓዙ ዝነበሩ።

ዶቶር ጋስፓሪኒ፡ ነቶም ኣብ ኣስመራ ዝነበሩ ኣህለኽቲ ማይ ሚነራል፡ ኣጆኹም ብዙሕ ኑክለሳዊ ጸርጊ ስለ ዘለዎ ስተዩዎ፡ ጥዕናኹም ኪሕለወልኩም እዩ ብማለት እዩ ዚሕብር ነይሩ። ግን ቀዳማይ ነገር እቲ (ካብ ደንጎሎ ዚመጽእ ዝነበረ) ማይ ሚነራል ምንም ዓይነት ኑክለሳዊ ጸርጊ ኣይነበሮን። ስለዚ እቲ ዶክቶር ከምኡ ዚብል ጽሑፍ ምልጣፉ፡ ንረክላም ዝኣመተ እዩ ነይሩ። ሓደገኛ ረክላም።

እቲ ጥርሙዝ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ይኸውን ረኺበዮ ነይረ፡ ነቲ እተለጠፈ ጽሑፍውን ኣቐሚጠዮ ነይረ፡ ግን ሕጂ ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን።  

ኣብዚ እዋንዚ፡ ንእሽቶ ናይ ራድዮኣክቲቭ ጸርጊ፡ ካንሰር ከምጽኣልካን ኪቐትለካን ከም ዚኽእል ኩሉ ህዝቢ ዓለም ዚፈልጦ ሓቂ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com