Wednesday , April 24 2024

ትፈልጡዶ? ብኣማኑኤል ሳህለ

1. ኣብ ግዜ ዓርቢ ስቐለት፡ ህዝቢ ናብቲ ቀጽሪ ቤትክርስትያን ኣትዩ (ብፍላይ ኣንስቲ)፡ ክላላይሶ ይብል እዩ። ክላላይሶ ግን እንታይ ማለት እዩ። ከምቲ ስዒቡ ዚድገም፡ ክላላይሶ መሓረና ክርስቶስ፡ ክላላይሶ ማለት መሓረና ጎይታ ማለት እዩ። እዚ ቃልዚ ካብ ግሪኽ KYRIE ELEISON ማለት ምሓረና ጎይታ ዝመንጨወ እዩ። ኣዴታትና ኣብ ክንዲ ኪሪየ አለይሶን ዚብላ፡ ክላላይሶ ኢለንኦ።

2. ፋዱስ ዚብል ቃል ብትግርኛ ፍርቂ መዓልቲ ማለት እዩ። እዚ ቃል ግን ካበይ ዝመንጨወ እዩ። ገለ ሰባት፡ ካብ ፋ ዱስ fa douze ዓስርተ ክልተ ኮይኑ ዚብል ናይ ጣልያንን ፈረንሳን ሕዋስ ቃል እዩ ይብሉ። ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ግን ብዙሕ ፈቲነ ከረጋግጽ ኣይከኣልኩን።

3. ብዙሕ ሰብ ንሽሮ ከም ናይ ሃገርና ፍርያት፡ ማለት ሽሮ መበቆሉ ናይ ሃገርና ገይሮም ይሓስቡ። መበቆል ናይቲ ሽሮ ዘስርሕ ዓተርን ባዕሉ ሽሮን ግን ቱርንክ ህንድን እየን።

4. ቦርቦረላ ዚብሃል ኣብ ጥቓ ኣስመራ ዚርከብ ቦታ፡ ካብቲ ፖልቨሪየራ POLVERIERA ዚብል ናይ ጣልያን ቃል ዝመጸ እዩ። ፖልቨሪየራ ማለት ከኣ ኣጽዋርን ተተኳስን ነታጉን ዚቕመጠሉ ቦታ እዩ።

5.  ገለ ሰባት ብዛዕባ ናይ ሰብ ሚዛን ኪዛረቡ ከለዉ፡ ዓጽሚ እዩ ዚምዘን ይብሉ። ይኹንምበር፡ ዓጽሚ ሰብ ኪምዘን ከሎ ካብቲ ናይቲ ሰብ ክብደት 15% ሚእታዊት ጥራይ እዩ። ስጋ እዩ ከቢድ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com