Thursday , April 25 2024

ትፈልጡዶ? ብኣማኑኤል ሳህለ

  1. ኣብ መበል 14 ክፍለዘመን ዝነበረ ናይ ሮማ ጳጳስ ግረጎሪ ታሽዓይ፡ ኣብ ገዛኻ ደማሙ ምሓዝ ከም ኣምልኾ ሰይጣን ገይሩ ስለ ዝቖጸሮ፡ ንደማሙ ኣብ ኤውሮጳ ከም ዝጸንታ ገይሩወን። ከምዚ ምግባሩ ንኣናጹ ከም ዚበዝሓ ገይሩ፡ ኣናጹ ድማ ብወገነን ነቲ
    ብቡቦኒክ ፌራ ወይ ብጸሊም ሞት ዚፍለጥ ሚልዮናት ሰባት ዝቐተለ ተላጋቢ ሕማም ምኽንያት ኮይነን እየን።
  2. ኣብ ጥንታዊትን ግብጺ፡ እቶም ነቶም ፈርኦናት ብቐረባ ዘገልግሉ ዝነበሩ ባረዩ፡ ኣብ ኣካላቶም መዓር ይልከዩ ነይሮም። ምኽንያቱ ድማ ነቶም ነቲ ፈርኦን ኪርብሹዎ ዚኽእሉ ሃመማ ካብቲ ፈርኦን ኣልጊሶም ናባታቶም ንኺመጹ ንምግባር እዩ ነይሩ።
  3. እቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝመሰረቱ ኮሚደሮ፡ ክሳዕ 1820 ኣብ ኤውሮጳ ከም ስሚ እዩ ዚቝጽር ነይሩ።
  4. ኣብ ኣካላትና፡ ዕብየት ኣዒንትና ዳርጋ ብዙሕ ኣይውስኽን እዩ። ኣእዛንናን ኣፍንጫናን ግን ኩሉ ግዜ ግዝፎም ይውስኹ እዮም።
  5. ብጥንቲ ዝነበሩ ኢብን ሩሽድን ኢብን ሲናን እተባህሉ ሙስሊም፡ ነቲ ናይ ኣሪስቶትል ጽሑፋት ናብ ዓረብ ብምትርጓም ነቲ ኣብ
    ኤውሮጳ ዝተኸሰተ ዘመነ ህዳሴ ወይ ረነሳንስ ንኺመጽእ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።
  6. እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ናይ እንግሊዝ ቃላት፡ መሰረቶም ዓረብ እዩ፥
    ኣድሚራል፡ ኣልከሚ፡ ኣልኮል፡ ኣልጀብራ፡ ኣልጎሪዝም፡ ኣትላስ፡ ኣልማናክ፡ ኮርነያ፡ ኮቶን

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com