Saturday , April 20 2024

ትፈልጡ’ዶ?

ብኣማኑኤል ሳህለ

1. ደፋእቲ

ኣብ ቶኮዮ ርእሰከተማ ጃፓን፡ ኣብቲ ቱነልባና ወይ ናይ ትሕተምድሪ ባቡራት፡ በታ ኩባንያ እተቖጽሩ ደፋእቲ ኣለዉ። ስርሖም ከኣ ነቶም ኣብተን ባቡራት ብብዝሒ ዝኣትዉ ሰባት፡ ደፊእካን ደፋፊእካን እኹል ቦታ ንምርካብ እዩ። ክዳን ሰብ ከየበላሽዉ ብማለት፡ ጓንቲ ይግብሩ እዮም። ኣብቲ ውሽጢ ባቡራት፡ ኣይትዳፋእ ዚብል ቃል ትርጉም የብሉን ብኣንጻሩስ ተዳፋእ ምባል እዩ ዚቐለካ።

2. ተስቲፋይ (ምስክርነት ምሃብ)

ተስቲፋይ (testify) ወይ ምምስካር ዚብል ቃል፡ ካብ ላቲን ተስቲፊካረ ዝመንጨወ ኪኸውን ከሎ፡ ካብ ተስቲክል ወይ ፍረነብሲ ዚብል ናይ ላቲን ቃል ዝመጸ እዩ። ብግዜ ግዝኣት ሮማውያን፡ እቲ ዚምስክር ሰብ ወይ እቶም ዚምስክሩ መሰኻኽር ኣእዳዎም ኣብ ፍረነብሶም ኣንቢሮም ኢዮም ዚምሕሉ ዝነበሩ። ኣንስቲ ግን ንምስክረነት ስለ ዘይበቕዓ ካብዚ ጸገምዚ ዝተገላገላ እየን ዚመስላ ነይረን።

3. ሰታንታ ኦቶ

ሰታንታ ኦቶ፡ ወይ ድማ ሰታንቶቶ (Settantotto)ካብቲ 78 ዚብል ናይ ጣልያን ቃል ዝመጸ ኮይኑ፡ እቶም ናይ ጣልያን መበል 78 ብሪገይድ ወይ ሻለቃ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ቦታ እዩ ነይሩ።

4. ገዛ ባንዳ

ገዛ ባንዳ ካብ ካዛ ባንዳ (Casa Banda) ወይ ድማ ናይ ባንዳታት (ዓሻኽር ጣልያን) ዚቕመጡሉ ዝነበሩ ቦታ እዩ። ገዛ ባንዳ ሓበሻ ድማ፡ ሓበሻ ዓሻኽር ጣልያን ዚቕመጡሉ ዝነበሩ ቦታ እዩ።

5. ሰኒታ

ካብ ሚኒስተሮ ደላ ሳኒታ ማለት (Ministero della Sanita)ሚኒስትሪ ጥዕና ዝመጸ ቃል እዩ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብቲ ቦታ ብምንባሩ፡ ሰብ ድማ ነቲ ቦታ ሳኒታ ኢሉዎ።

6. ስካሪኮ

ስካሪኮ ደል ኢሞንዲዝያ (Scarico del immondizia) ማለት መደርበዪ ጎሓፍ ማለት እዩ። ኣብ መገዲ ዓርበሮቡዕ ይርከብ።  

7. ሳቮያ!

ኣብ ግዜ ገድሊ፡ ሳቮያ! እናበልካ ህጁም ምእታው ነይሩ ይብሃል። ኣቦታትና እውን ዓሻኽር ጣልያን ከለዉ ነዚ ቃልዚ ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። እዚ ቃልዚ ካብቲ ኣብ እዋን ወራር ጣልያን በቶም ቀዳሞት ወትሃደራት ጣልያን ዚብሃል ዝነበረ ቃል እዩ። ሳቮያ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበረ ንግስነት ጣልያን ዝነበረሉ ቦታ ወይ ክፍሊ ሃገር እዩ። እቶም ወትሃደራት ነቲ ናይ ሳቮያ ንግስነት ወይ ድማ (house of Savoy) ኢሎም ይዋግኡ ስለ ዝነበሩ፡ ህጁም ኪኣተኡ ከለዉ፡ ሳቮያ! ይብሉ ነይሮም።

8. ቪላጆ ጀንዮ

ቪላጆ ጀንዮ (Villagio Genio) ናይ ኢጣልያዊ ሰራዊት ክፍሊ መሃንዲስ መቐመጢ ቦታ ወይ ቁሸት እዩ ነይሩ። Il Genio ብጣልያን፡ ናይ ሰራዊት ክፍሊ መሃንዲስ ማለት እዩ።

9. ኮምቢሽታቶ

ኮምቢሽታቶ  ካብ ካምፖ ረቺንታቶ (Campo recintato) እተሓጽረ ቦታ ወይ ኻምቦ ዚብል ናይ ጣልያን ቃል ዝመንጨወ እዩ። ኣብቲ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዝነበሩሉ ግዜ፡ እቲ ቦታ ንገለ እዋናት ንዘይምልከቶም ሰባት ክልኩሉ እዩ ነይሩ። ናይ ወትሃደራት ቦታ እዩ ነይሩ። ምናልባሽ ንሓበሻ ጥራይ ክልኩል ነይሩ ይኸውን።

10. ቲራቮሎ ካምቦቦሎ

ቲራቮሎ ወይ ቲራ ኣል ቮሎ (Tira al volo) ዑፍ ኣብ ምንፋር ከላ ተኲስካ ምውቃዕ ማለት እዩ። እዚ ጸወታዚ ኣብቶም ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ዝነበሩ ኢጣልያውያን ግኑን እዩ ነይሩ። ነተን ረገቢት ዓጺኻየን ትጸንሕ እሞ፡ ኣብ ማዕዶ ኴንካ ትጽበ። እቲ ማዕጾአን ክፍት ምስ በለ ኪነፍራ ይጅምራ፡ ሽዑ ተኲስካ ተውድቐን ወይ ትስሕተን። ብድሕርዚ እቲ ቦታ ቲራቮሎ ተባሂሉ። ካምፖ ፖሎ (campo polo) ድማ ኣፍራስ ተወጢሕካ ዚካየድ ናይ ቃርሳ ጸወታ ቦታ ወይ ኻምቦ ስለ ዝነበረ ካምፖፖሎ ወይ ኻምቦቦሎ ተባሂሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com